19/05/2026
“ኣብ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ”(1ጴጥ 1፡17)
===================================
በስመኣብ ወወልድ ውመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!✍️👇ሼር ድማ ንቦሎ
እዞም አብዝይ ስእሊ ዘለዎ ኣብ ምራባዋን ዓገብ ክንብሎም ይግባኣና ናጽነት ኣለና እዳበልካ ንዚ ሕጂ ዝመጽእ ወሎዶ ሕማቅ መልክቲ እዳሕለፉ ብሕግ ቤት ክርስቲያን ሸለል ዝብሃል የለን ዓገብክንብል ሓላፍነት ናይ ኮሉ ወዲ ኦርቶዶክስ እዝዮም ጥራይ ኣይኮኖን ዝተረፉ ውን ኣለዎ ንጸጋም እዳጸደፉ ስቅ እልና አታይ ገደሰኒ እልና ክንርእዮም የብልን መእመናን ይሕዋት ኣሓተይይ ዓኒና ንብርህ ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ኣይን ዕበድ ንድሓር ከይጣዓሰና ነብቦ ንሕማቅ ጥራይ ኣይነጎየ
ነዚ ጽሑፍ’ዚ ጽሒፉልና ዘሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ምኽንያት ድማ ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ እሞ ኣብ መከራን ሰደትን ዝነበሩ ንዝበጽሖም መከራን ሽግርን ካብ ጎይታ ተማሂሮም ምእንቲ ክጸንዑን ክዕገሱን፡ በዚ መንጽር ድማ ጎይታ ዋጋኦም ከምዘየጥፍኣሎም ንምጽንናዕ እዩ።
ብሓፈሻ ቅዱስ ጴጥሮስ “ኣብ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ” ክብለና ከሎ ብዛዕባ ኣብ ዓለም ብስጋ እንነብረሉ ዘመን ዝተወሰነ ከም ዝኾነ፡ ብድሕሪኡ ግና ናብ ካልእ ከም እንኸይድ ዘብርህ እዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ኣብ ዝገሸሉ ግዜ ንመገሻኡ ዘድልዮ ነገር ጠርኒፉ ብምኻድ ነቲ ዝተመደበ ነገር ምስ ፈጸመ ድማ ናብ ዝነበሮ ቦታ ይምለስ። ኣብ መገሻኡ ዘውትር ሓሳቡ ብዛዕባ እቲ ዝተመደበ ስራሕን ብዛዕባ እቲ ቀዋሚ መንበሪኡን እዩ። በዚ ድማ ኩሉ ግዜ ኩሉ ነገራቱ ጥርኑፍ እዩ። በዚ መንጽር እዚ ክርአ ከሎ ድማ ስጋውን መንፈሳውን ግሽነት ኣሎ። ስጋዊ ግሽነት ብዛዕባ ንስጋኻ ከርብሓካ ኢልካ እትገብሮ ካብ ተኣዛዝነት ፈጣሪ ወጻኢ ዝኾነ ሕይወት እዩ። መንፈሳዊ ግሽነት ግና ስጋ ናብ ሓመድ ነፍሲ ድማ ናብ ፈጣሪኣ ከም እትምለስ (መክ 12፡7) ፈሊጥካ ስለነፍስኻ ሓሲብካ ዕላማ ናይ ምፍጣርካ ተረዲእካ ንዘለካ ናይ ዓለም ናብራ ሓጺር ምዃኑ ብዝግባእ ተረዲእካ ንኣምላኽ እናተኣዘዝካ ሕጉ እናሓለኻ መንነትካ ፈሊጥካ እትነብሮ ዋጋ ዘለዎ ግሽነት እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ቆሮንቶስ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቱ ከምዚ ይብል “እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፋይ እዩ እሞ እቶም ብናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ዝጥቀሙ ብእኡ ከም ዘይጥቀሙ ኮይኖም ይንበሩ” (1ቆሮ፥7፡29-31) ኢሉና ኣሎ። እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ምስጉን እዩ እንተኾነ ግና ምስጋንኡ ኣብ ባህሪኡ ተወሲኑ ከይተርፍ ብኣርኣይኡን ኣምሳሉን ንሰብ ፈጠሮ። ንሱ ገዛኢ ኣዳም ድማ ተገዛኢ ኮይኑ ክኸይድ ትእዛዝ ሃቦ። ስለዚ ካብዚ እንርድኦ ዕላማ ምፍጣርና ኪንዮ ምስጋና ንእብዚኣብሔር ካልእ ዝኾነ ነገር ኣይተኣዘዝናን። እንተኾነ ወዲ ሰብ ብዘይምእዛዙ ሞተ፡ እግዚኣብሔር ድማ ንውርደቱ ርእዩ ብዝኣተወሉ ቃል መከራ ተቐቢሉ ኣድሓኖ፣ ፍቕሩ ገለጸሉ። ስለዚ ሕጉ ሒዝና መንግስቱ ክንወርስ መዋርስቱ ክንከውን ሰማያዊ ሕጊ ሰርዓልና። ስለዚ ናብ መንግስቱ ንኽንኣቱ ሕጉ ሓሊና፣ ክንከይድ ይግብኣና እዩ።
ኣብ ዓለም’ኳ ንነብር እንተለና ክነብረሉ ዝግብኣና ዘመን ተወሲኑልና እዩ። እዚ ድማ ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ዝበሎ 70 ወይ 80 ዓመታት እዩ ድሕሪ’ዚ ሞት ኣሎ። ግዚኡ ሓልዩ ድማ ኩሉ ሰብ ይመውት። ዓለም ንገዛእ ርእሳ ሓላፊት’ያ! እግዚእእብሔር ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ከሕልፋ እዩ። ስለዚ ኣብ ዓለም እኳ ንነብር እንተለና ግና’ኸ ሓላፊት ምኳና ፈሊጥና ኣጋይሽ ምኳና ክንርዳእ ይግብኣና። እዚ ማለት ጋሻ ኮይኑ ስርሑ ወዲኡ ናብቲ ዝተበገሰሉ ቦታ ከምዝምለስ፡ ንሕናውን ኣብዛ ዓለም ክሳብ ዘለና ዓለም ንዓና መገሻ እያ ናብቲ ዝፈጠረና እምላኽ ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ግዜ ክንምለስ ኢና።ነታ እትመጽእ ዓለም ንምውራስ ነዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ኣጋይሽ ምዃና ፈሊጥና ብሓሳብን ብግብርን ካብኣ ምውጻእ የድልየና። ጋሻ ኩሉ ግዜ ነገራቱ ጥርኑፉን ድልውን ከም ዝኾነ ነፍሲ ወከፍና ነፍስና ካብ ስጋና ተፈልያ ናብ ፈጣሪኣ ክሳዕ እትኸይድ ኣጋይሽ ኢና። እዚ ዘረድኣና ከምቲ ጎይታ ዝበሎ “እምበኣርከስ ጎይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ከም ዝመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ። ግና’ኸ እዚ ድኣ ኣስተውዕሉ በዓል ቤት በየንይቲ ክፍለ ግዜ ናይ ለይቲ ሰራቒ ከም ዝመጽእ እንተዝፈልጥ ምነቕሐ ኔሩ፡ ቤቱ ክትኩዓት ውን ኣይምሓደጋን ኔሩ (ማቴ፥24፡42-44) ዝበሎ ንሕና ውን ጎይታ ብዘይሓሰብናዮ ግዜ ስለዝመጽእ ነፍስና ብዲያብሎስ ከይትምንጠል ሎሚ ኣጋይሽ ምኳና ኣሚና ነፍስና ንጎይታ ከነግዝኣ ይግባእ። ቅዱስ ጳውሎስ ውን ከምዚ ኢሉ ኣሎ “ንኣዛዚኡ ከሕጉስ ዝደሊ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ወተሃደር ብኻልእ መነባብሮ ኣይሕለኽን እዩ። ከምኡ ውን እቲ ኣብ ጸወታ ዝወዳደር ከም ሕጊ ጌሩ እንተዘይተወዳዲሩ ኣኽሊል ዓወት ኣይዓትርን እዩ(2ይጢሞ2፡4) ንሕና ውን ንኣዛዚናን ፈጣሪናን ዝኾነ ኣምላኽና ምእንቲ ከነሕጉስ ብሓጢኣት ናይዛ ዓለም ከይተሓለኽና ከም እሙናት ወተሃደራት ኮይና ኣብ ኣገልግሎትና ጸኒዕና ክነብር ይግብኣና። ከመይ ቅዱስ ጳውሎስ ኣኽሊል ዓወት ዝረኸበ ሰናይ ገድሊ ብምግዳሉ፣ ሃይማኖቱ ብምሕላው፣ ጉይኡ ብሕጊ ተቐዳዲሙ ብምውድኡ እዩ። ንሕና ውን ከምዚ እንተጌርና ግሽነትና ብዓወት ክንዛዝም ኢና። ምኽንያቱ ካብ ኣብዚ ዓለም ምንባር ምስ ክርስቶስ ምንባር ስለዝሕሸና።
ቅዱስ ጳውሎስ “ካብዚ ዓለም ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ” ከም ዝበሎ እዩ(ፊል1፡23)። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ዝበለ መንነት ዓለም ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ እዩ። ስለዚ ኣብ ዓለም እናነበርና ከለና ዓለም ብዝተፈላለየ ማሕለኻታት ሓጢኣት ጌራ ግሽነትና ከተረስዓና፡ ብዝተፈላለዩ ፈተናታት ትፍትነና እያ። እዚ ማለት ንስጋ ብዝምችእ ነገር እዩ። ንሕና ግና መንነታ ፈሊጥና ክንቃለሳ ይግባእ። ቅዱስ ጴጥሮስ “መዓልቲ ጎይታ ከም ሰራቒ ኮይና ክትመጽእ እያ ሽዑ ሰማያት ጥዋዕዋዕ ክብሉ እዮም። ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ክነድድ፣ ምድርን ኩሉ ኣብኣ ዘሎን እውን ክነድድ እዩ። እዚ ኩሉ ከምዚ ኢሉ ዝጠፍእ ካብ ኮነ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ክትኮኑ ይግበኣኩም(2ጴጥ3፣10-14)ኢሉና ኣሎ። እዚ ዘረድኣና ዓለም ፍጥርቲ፣ ሓላፊት ምዃና ንሕና ግና ዘይትሓልፍ ተስፋ ኣላትና። ነዛ ተስፋ እዚኣ ንምርካብ ክንገብሮ ዝግብኣና ከብርሃልና ከሎ ነታ ኣምላኽ ዝመጸላ መዓልቲ እናተጸበኹም ብቕድስና ሕይወት፡ ብፍርሓት እግዚኣብሔር ክትነብሩ እዩ ዝግብእእኩም ኢሉና ኣሎ። ሽዑ ሰማያት ብሓዊ ክጠፍእ እዩ ንሕና ግና ከምቲ ተስፋኡ ጻድቅ ዝነብረሉ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና። ስለዚ ነዚ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንምውራስ ሎሚ ዓለም ሓላፊት ምኳና ፈሊጥካ ጋሻ ኮይንካ ምንባር የድሊ። ምኽንያቱ ንኣቦና ኣዳም ናብ ሞት ዘብጽሖ ዘይምእዛዝ እዩ። ንዓና ውን እንተዘይተኣዚዝና ዝረኸብና ሞት እዩ።
ኣቦና ኣብርሃም ንእግዚኣብሔር ብፍጥረቱ ምስ ረኸቦ ውጻእ ተባሂሉ ካብ ዝተኣዘዘሉ ንድሕሪት ኣይበለን። ቤቱን ንብረቱን ኣብ ቅድሚ እቲ ዝጸውዖ ኣምላኽ ዋጋ ከምዘይብሉ ፈሊጡ ኣምላኽ ድማ ካብኡ ዝበልጽ ሰማያዊ ክብሪ ከምዝህቦ ተረዲኡ ብእምነት ወጸ። ኣብ ዓለም ንጣዕሚ ስጋይ ዝኸውን ቤት ክሰርሕ ከይበለ ኣብ ልቡ ብፍጹም እምነት ቤት ኣምላኽ ብምስራሕ ብግብርን ብእምነትን ኣገልገለ።ኣብቲ ተስፋ ዘይነበረሉ ተስፋ ገበረ፡ ጸንዐ፡ ኣብ መንፈሳውን ማሕበራውን ኣገልግሎት ብዝነበሮ ኣገልግሎት ፈተና’ኳ እንተመጾ ጸንዐ በዚ ድማ ንስላሴ ኣብ ቤቱ ተቐበለ።ኣነ ሓምኹሽትን ሓመድን እናበለ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ትሕት ብምባል ክብሪ ሃበ።በዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክብሪ ረኸበ። ከምቲ ኣብ ምድሪ ከሎ ዝገብሮ ዝነበረ ኣገልግሎት ምቕባል ኣጋይሽ ኣብ ሰማይ ድማ ተቐባል ኣጋይሽ ኮነ(ሉቃ 16፡19-20፣ ዘፍ18፡18-21፣ ዘፍ12፡1)። እዚ ኩሉ ኣብርሃም ኣብ ዓለም ጋሻ ምዃኑ ምፍላጡ እዩ።
ቅዱሳን ውን ዓለም ንዓኣቶም ዘይትበቅዕ ምዃና ስለዝፈለጡ ካብኣ ብሓሳብን ብግብርን ብምውጻእ ንዝወረዶም መግረፍቲ ብምዕጋስ ብዳርባ እምኒ ዝተቐትሉ፡ ብመጋዝ ዝተተርተሩ፡ ተሰይፎም ዝሞቱ፡ ኣጎዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ዝተኸድኑ፡ ዝሰኣኑ፡ ዝጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ዝጸገቡ ኣብ ምድረበዳን እምባታትን ኣብ በዓትታትን ጎዳጉድን ምድርን ኮለል ዝበሉ ካብ ሓላፊ ጣዕሚ ዓለም ዘይሓልፍ ጣዕሚ መንግስተ ሰማያት ስለዝመረጹ እዩ። ካብ ኣብ ማሕበረ ረሲኣን ኣብ ማሕበረ ቅዱሳን ስለዝመረጹ እዮም።ንሕና ውን ኣብ መሰረት ነቢያትን ሓዋርያትን ዝተሰረትና ደቂ ዓዶም ንቕዱሳን ካብ ኮና ኣሰሮም ክንስዕብ ይግብኣና። ምኽንያቱ ንኣምላኽ ዝርእይዎ ንጹሃት ልቢ እዮም። ገበርቲ ምሕረት፣ስለጽድቂ ዝስደዱ፣ዝጠምዩ፣ዝዓርቁ፣ንመግረፍቲ ኮነ ላግጺ ኣሜን ኢሎም ብምቕባል ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገሱ፣ከም ኣቦና እዮብ እግዚኣብሔር ሃበ እግዚኣብሔር ወሰደ ኢሎም ዘመስግኑ ከምቲ ካብ ማህጸን ኣደይ ጥርሐይ’የ ዝተወለድኩ ናብ መቓብር ውን ጥርሐይ እየ ዝኸይድ ናብ ዓለም ዘምጻእክዎ የለን ሒዘዮ ዝኸይድ ውን የለን ዝብል ቃል ተረዲኦም ምምጽኦምን ምኻዶምን ፈሊጦም ሕይወቶም ዘዳለዉ እዮም።ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ነቲ ዝመደቦ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ከይገብሮ ዝኽልክሎ የለን።
እምበኣር ነፍሲ ወከፍና ከምቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ግብኡ ዘይገበረ መሰሉ ዘይረክብ ንሕና ውን ኣብታ ትመጽእ ሰማያዊት ሃገርና ግቡእና ረኺብና ንምእታው ሰማያዊ ክብሪ፣ ኣኽሊል ዓወት ንምዕታርን ኣብ ጉባኤ ቅዱሳን ንምድማርን እዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ኣብ ሓጺር ናይ ግሽነት ዘመና እንገብሮ ስራሕ ኣብ እዋን ፍርዲ ሚዛና እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንምልከቶ ታሪኽ ናይ ኣቦና ዮሴፍ እዩ እግዚኣብሔር ንዝገለጸሉ ሕልሚ ብምዝራቡ ኣሕዋቱ ኣብ ልዕሊኡ ጽልኢ ኣሕደሩ። መግቢ ሒዝሎም ምስ መጸ ውን ብቕንኢ ኣብ ልዕሊኡ ክፉእ ብምሕሳብ ናብ ግብጻውያን ከምዝሽየጥ ተጌሩ እዩ። ኣምላኽ ግና ዑቑባ ናይ ሰደተኛታት ስለዝኾነ ኣዕቚብዎ። ዋላ’ኳ ኣብዘይዓዱ እንተተሰደደ ኣብዘይ “ዓደይ እየ ዘለኹ” ኢሉ ግና ንኣምላኹ ኣይረሰዐን፣ኣምላኽ ውን ካብኡ ኣይተፈልየን እኳ ድኣ ኣብ ኩላ ግብጺ ልዕል ኣበሎ። በዚ መንጽር እዚ ዮሴፍ ውን ንእምነቱ ዝፈታተን ናይ ዝሙት ፈተና እኳ እንተመጾ ንእግዚኣብሔር ብምፍራሕ ብትዕግስቲ ሓለፎ። ከም ሳዕቤኑ ውን ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኣቱ እኳ እንተተገብረ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሔር ናብ ቅዱሳኑ፡ ኣእዛኑ ድማ ናብ ጸሎቶም ከም ምዃኑ መጠን፡ እግዚኣብሔር ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወጽእ ገበረ። ስለዚ ንሕና ውን ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ወላ ብስጋ ንሰደድ፡ ካብ ኣምላኽ ከይተፈለና ሕጉ እንተሓለና ብስጋን ብነፍስን ከም ዝምግበና፡ ካብ መከራን ሽግርን ከም ዘናግፈና ተረዲእና ንዮሴፍ መሲልና ዘመን ግሽነትና ብሰናይ ክንዛዝሞ ይግብኣና።
እስራኤል ዘስጋ ኣብ ምድሪ ስደት ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ብዙሕ መከራን ስቓይን ረኺቦም እዮም። ግና’ኸ መከራኦምን ግፍዖምን ኣብ ቅድሚ እግዚእብሔር በጺሑ። ኣምላኽ ድማ ብዝኣተዎ ኪዳን መሰረት፡ ብመሪሕነት ነቢይ ሙሴ ትእምርትን ተኣምራትን ብምግባር ንባሕሪ ኤርትራ ከፊሉ ኣውጽኦም። ሙሴ ድሕሪ ምሟቱ ድማ ብኢያሱ ጌሩ ንዮርዳኖስ ከፊሉ፡ ቀጽሪ እያሪኮ ኣፍሪሱ፡ ናብ ምድሪ ርስቲ ኣእተዎም ዕረፍቲ ድማ ረኸቡ። ንሕና ውን ብሓቂ እስራኤል ዘነፍስ ከም ምኳና መጠን ኣብዛ ዓለም መከራ ኣሎና። ምኽንያቱ ጎይታ ባዕሉ “ኣብ ዓለም ጸበባ ኣለኩም፡ ኣጀኹም ግና ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ”(ዮሓ16፡33) ከም ዝበለና፡ በቲ ንሱ ዝህበና ሓይሊ ንዓለም ከም እንስዕራ የረድኣና። ምኽንያቱ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘበለ ንዓለም ይስዕራ እዩ’ሞ ንሕና ከም እሙናት ውሉድ ኮይና ኣብ ግዜ መከራና ንፈጣሪና ክንእዘዝ ይግበኣና።
ንሱ ድማ ኩሉ ግዜ ብዓይኑ ክጥምተና ብእዝኑ ውን ክሰሞዓና እዩ (1ይጴጥ3፡12)። ንሙሴ ኮነ ንኢያሱ ዝመስሉ ቅዱሳን ጌሩ ካብዛ ባሕሪ ሓጢኣት ዝኾነት ዓለም ኣሳጊሩ፡ ንጎቦ ሓጢኣትና ብንስሓ ኣፍሪሱ ናብታ ተስፋ እንገብረላ መንግስቱ ከእትወና እዩ። ስለዚ ሎሚ ኣብዛ ኣጋይሽ ኮይና እንነብረላ ዘለና ዓለም ናብታ ተስፋ እንገብረላ ክንሰጋገር ግሽነትና ብዝግባእ ክንዛዝሞ ይግብኣና።
ብሓፈሻ ቅዱስ ጴጥሮስ “ኣብ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሓት ንበሩ” ኢሉ ዝመሃረና፡ ዓለም ከም እትሓልፍ ንሕና ግና ከምዘይንሓልፍ፡ ግናኸ ሎሚ እዚ ኣብ ዓለም እንገብሮ ኣገልግሎት ናብታ ዘይትሓልፍ መንግስቱ ንምእታው ወሳኒ ምዃኑ እዩ ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ኩሉ ግዜ ጎይታ ዝመጸላ መዓልቲ ስለዘይንፈልጣ ድልዋት ክንከውን ይግብኣና። ጎይታ ብቓሉ ከምዚ ክብል ተስፋ ሂቡና ኣሎ። “ ብኣቦ እመኑ፡ ብኣይውን እመኑ ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ። እንተዘይህሉ ግና ምነገርክኹም ኔረ ሕጂ ግና ስፍራ ከዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም ኣብቲ ኣነ ዘዳኹዎ ንስኻትኩም ውን ኣብኡ ምእንቲ ክትህልዉ ተመሊሰ ክመጽእ እየ እሞ ምሳይ ክወስደኩም እየ ኢሉና። እዚ ማለት ጎይታ ካብዛ ሓላፊት ዓለም ናብታ ዘይትሓልፍ ዓለም ከም ዝወስደና ዝሃበና እሙን ተስፋ እዩ። ክሳዕ ሽዕኡ ግና ከምቲ ጎይታ ብኽብሪ ክዓርግ ከሎ ንሓዋርያት ዝበሎም “ካብ ሰማይ ሓይሊ ክሳዕ ትለብሱ ካብ ኢየሩሳሌም ከይትወጹ” ዝበሎም ንሕና ውን ተመሊሱ ክሳዕ ዝወስደና ካብታ ምሳሌ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዝኾነት ቤተክርስቲያን ክንወጽእ ኣይግብኣናን። ምኽንያቱ ካብ ኢየሩሳሌም ምስ እንወጽእ ሞት ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ሉቃ 10፡30-37 ዘሎ ሕያው ቃል ምስ እንምልከት ጎይታ ብምሳሌ ክምህር ከሎ “ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያሪኮ ክወርድ ከሎ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ ንሳቶም ክኣ ገፈፍዎን ከትከትዎን። ኣይምዉት ኣይስሩር ጌሮም ክኣ ግዲፎምዎ ከዱ። ሓደ ካህን በታ መገዲ እቲኣ ብወዝቢ ክወርድ ከሎ ርእዩ ጎስይዎ ሓለፈ። ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በጽሐ ርእዩ ጎስይዎ ሓለፈ። ሓደ ሳምራዊ ሓላፊ መገዲ ግና ናብኡ ቀሪቡ ኣቑሳሉ ሰፈፈሉ። ዘይትን ወይንን ክኣ ኣፍሰሰሉ። ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑ ውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ። ንጽባሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ ነቲ ሓላዊ ማሕደር ኣጋይሽ ሃቦ እሞ “ተኸናከኖ፡ ንዕኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ክኣ ምስ ተመልስኩ ክፈድየካ እየ በሎ”። ስለዚ ካብዚ እንግንዘቦ ንሕና ውን ካብታ ኣብኣ ክንቀውም ዝተኣዘዘና ቤተክርስቲያን እንተወጺእና ብርጉማት ኣጋንንቲ፡ ብሓጢኣት ከም እንኽትከት እዩ። እንተኾነ ኣብ እንወጸሉ ውን ጌጋና ፈሊጥና ከምቶም ናይ ኤማሁስ መንገደኛታት እንተድኣ ናብ ቤተክርስቲያን ተመሊስና ክርስቶስ ንስሓና ተቐቢሉ ከይንዓቐ ንናይ ሓጢኣት ቁስልና ብዘይቲ ምሕረቱ ክሰፈልና እዩ። ኣብ መወዳእታ ውን ተቐባል ኣጋይሽ ዝኾነ ኣቦና ኣብርሃም ናብ ዘለዎ ማሕደር ኣጋይሽ ዝኾነት መንግስቱ ክወስደና እዩ። ስለዚ ክሳዕ ሽዕኡ ግና ኣጋይሽ ምዃና ፈሊጥና ትእዛዙ ኣኽቢርና ኣብ ኢየሩሳሌም ክንነብር ይግብኣና።
ስለዚ ኣብዛ ዘለናያ ዓለም ዕድመና ሓጺር ምዃኑ ፈሊጥና ኣብታ ልቢ ወዲ ሰብ ዘይሓለና ብዓይኒ ሰብ ዘይተራእየት፡ ብእዝኒ ወዲ ሰብ ዘይተሰምዐት ናይ ዘለዓለም ቤት ክንኣቱ ሎሚ ድምጺ ኣምላኽ ሰሚዕና ግሽነትና ብዝግባኣ ክንፍጽም ይግብኣና (1ይቆሮ 2፡9። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብዚ ኢሉና ዘሎ መልእኽቲ ልዕል ኢልና ምስ እነንብብ ከምዚ ይብል፥ እቲ ንስኻትኩም ኣብ ጸሎት ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ንነፍሲወከፍ ከከም ግብሩ ብዘይ ኣድልዎ ስለዝፈርድ ኣብ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሓት ንበሩ ኢሉና ኣሎ። ካብዚ እንርድኦ ድማ እግዚኣብሔር ቅኑዕ ፈራዲ እዩ ንነፍሲወከፍ ድማ በዚ ኣብ ግሽነት ዘመኑ ዝፍጽሞ ኣገልግሎት ከም ዝፈድዮ እዩ። ባዕሉ ጎይታ ኣብ ማቴ3፡12 “ንሱ ዓውዱ ዘጽርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዝሓዘ እዩ ስርናዩ ናብ ቆፍኡ ክእክብ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ከንድዶ እዩ” ኢሉ ኣሎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን ኣብ 2 ቆሮ 5፡9-10 “ነፍሲወከፍ ሰብ ነቲ ኣብ ምድሪ ከሎ ዝገበሮ ሰናይ ኮነ እከይ ምእንቲ ክቕበል ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ክቐርብ እዩ”። ኣብ ራእይ 22፡12 ውን “እንሆ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ ሽዕኡ ንነፍሲወከፍ ሰብ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ዓስቡ ኣብ ኢደይ ኣሎ” ኢሉና ኣሎ። ስለዚ ዓስብና ሽዕኡ እንታይ ከም ዝኽወን ብሎሚ እዩ ዝውሰን። እምበኣር ክሳዕ እታ ፈጣሪ ዝመጸና፡ ብጽድቂ ክነብር ይግብኣና ምኽንያቱ ናይ ዓለም ነገር ሓላፊ ስለዝኾነ ነቲ ዘይሓልፍ ክንርኢ ይግብኣና። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ2ቆሮ4፡17“እዚ ቀልጢፉ ዝሓልፍ ፈኲስ ዝኾነ ጸበባና ክኣ ካብ ኩሉ ዝበልጽ መዘና ዘይብሉ ዘለዓለማዊ ክብሪ የውህበና ኣሎ። እቲ ዝርአ ሓላፊ እዩ እቲ ዘይርአ ግና ዘለዓለማዊ እዩ። ንሕና ከኣ ነቲ ዝረአ ዘይኮነስ ናብቲ ዘይርአ ኢና እንጥምት” ኢሉና ኣሎ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ 2ቆሮ 5፡1-2 “እዛ ድንኳን ዝኾነት ግዝያዊት ሰብነትና ማለት ስጋና እንተፈረሰት ካብ ኣምላኽ ብኢድ ሰብ ዘይትሃንጸት ሕንጻ ናይ ዘለዓለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈለጥ ኢና። ሰማያዊት ቤትና ክሳዕ እንለብስ ግና ብሃንቀውታ ዓንገረር ንብል ኣለና። እምበኣር ነዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ብዝግባእ መንነታ ፈሊጥና ካብ ኽብሪ ዓለም ኽብሪ ኣምላኽ፡ ካብ ሓላፊ ነገር ዘይሓልፍ፡ ካብ ስጋዊ መንፈሳዊ፡ ካብ መግቢ ስጋ መግቢ ነፍሲ፡ ካብ በረኸተ ስጋ በረኸተ ነፍሲ ክንምነ ይግበኣና። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ገላ 1፡10 “ናይ ሰብ ምስጋና እንተዝደልስ ወይ ድማ ንሰብ ከሕጉስ እንተዝብልስ ባርያ ክርስቶስ ኣይምኾንኩን” ኢሉና ኣሎ። ኣብ ፊል 3፡7-17 እውን “ነቲ ንዓይ ረብሓ ዝነበረ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ከም ክሳራ እቆጽሮ ኣለኹ። ምእንትኡ ክብል ኩሉ እስእን ኣለኹ፡ ንዕኡ ክረክብ ምስኡ ክኸውን ከኣ ከም ጉሓፍ ይቆጽሮ ኣለኹ። ስለዚ ነቲ ድሕረይ ዘሎ እና ረሳዕኩ ናብቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ኣና ተመጣጠርኩ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ሰማይ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ እጎዪ ኣለኹ።
እምበኣር ፍጹማት ዘበልና ኩልና ነዚ ንሕሰብ በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን ንጽናዕ፡ ኣሕዋተየ ንዓይ ምሰሉ ነቶም በቲ ዝሃብናኩም ኣርኣያ ዝነበሩ ከኣ ኣስተውዕልሎም” ኢሉና ኣሎ። ስለዚ ናትና ዕዮ ነዚ ነገር እዚ ጌርና ንቅዱስ ጳውሎስ መሲልና ምኻድ እዩ። እምበኣር ንሓዋርያት ተኸቲልና፡ ናይ ሰማዕታት ናይ ጻድቃን ሕይወት እናዘከርና ነታ ጎይታ ዝመጸላ መዓልቲ ስለ ዘይንፈልጣ በትሪ መስቀልና ኣብ ኢድና ሒዝና፡ ስጋኡን ደሙ እና ተመግብና ጫማና ወዲና (ወንጌል ተማሂርና) ሕቆና ተዓጢቕና (ንጽህና ሒዝና) ንነፍስና እና መርመርና ካብ ኢየሩሳሌም ከይወጻእና፡ ዕርፊ መስቀሉ ሒዝና፡ ንድሕሪት ከይጠመትና፡ ንመዓልቲ ጎይታ እናተጸበና፡ ናይዛ ዓለም ግሽነትና ክንፍጽም ኣብ ዘመን ግሽነትና ብፍርሃት ክነብር ይግብኣና።
ስብሓት ለእግዝኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜ!!!
14/05/2026
✟✟✟ ፲፬ ጥቅምቲ ✟✟✟
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን
✟✟✟ አቡነ አረጋዊ ✟✟✟
፲፬ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ጻድቕ አቦና አቡነ አረጋዊ ዝተሰወሩሉ መዓልቲ እዩ። አቡነ አረጋዊ ሃገሮም ሮም እዩ። አቡኦም ይስሐቕ ይበሃል። ንጉሥ ሮም እዩ ነይሩ። አዴኦም ድማ እድና ይበሃላ። አቡነ አረጋዊ ወዲ 14 ዓመት ምስ ኮኑ ፡ ስድርኦም ንሐንቲ ካብ ወገን ነገሥታት ዝኾነት ጓል አንስተይቲ አሕጸይዎም። እንተኾነ ነቲ ሓሳብ ስለ ዘይተቐበልዎ ናብ ጽርዕ ሃዲሞም ብምኻድ አብ ገዳመ ዳውናስ አተዉ። አበ ምኔት እቲ ገዳም ዝነበሩ አባ ጳኩሚስ ፡ ፍቓድ እግዚአብሔር ምዃኑ ተረዲኦም መዓርገ ምንኩስና ሃብዎም። ብዙሓት ካብ አዝማዶም ዜናኦም ሰሚዖም መንፈሳዊ ቅንኢ ሐዲርዎም ከምኦም ንዓለም ገዲፎም ገዳም ብምእታው መንኮሱ። ንሳቶም ድማ አባ ሊቃኖስ ዘቍስጥንጥንያ፣ አባ ይምዓታ ዘቍስያ፣ አባ ፅሕማ ዘአንጾኪያ፣ አባ ጉባ ዘኪልቅያ፣ አባ ጰንጠሌዎን ዘሮምን አባ አሌፍ ዘቂሳርያን እዮም። ንሳቶም ድማ “ብፅዓን ለከ ዘኮንከነ መርሐ ኀበ ዛቲ ፍኖት ከመ ኄር ኖላዊ ዘየዓቅብ መርዔቶ/ ከምቲ ንመጓስኡ ብግቡእ ዝመርሕ ጓሳ ንዓና ናብ መንገዲ ሕይወት ስለ ዝመራሕኻና ብጹዕ አረጋዊ ክትበሃል ይግበአካ" በሉዎም። ናይ መጀመርያ ስሞም ዘሚካኤል እዩ ዝነበረ፣ ስሞም አረጋዊ ዝተባህለ እምበአር ካብዚ ንደሓር እዩ።
ብድሕሪ እዚ አዲኦም ንግሥቲ እድና ክብረ ቅድስናኦም ሰሚዓ ክትበጽሖም ኢላ መጽአት። "አዴኻ መጺኣ አላ እሞ ርኸባ" ምስ በልዎም ግን አበዩ። ግድን ኢሎም ምስ አገደድዎም "ስለ ምንታይ መጺእኺ?" ኢሎም ሐተትዋ። አዲኦም ድማ "ንስኻ እኳ ብንእስነትካ ነዛ ዓለም ዝነዓቕካያስ እዛ ዓለም እዚኣ ንዓይከ እንታይ ክትጠቕመኒ ትኽእል?" በለቶም። አቡነ አረጋዊ ድማ ደስ ኢልዎም መዓርግ ምንኩስና ሂቦም አብ ልዕሊ ደቂ አንስትዮ እመ ምኔት ገይሮም ሸምዋ።
ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ናብ ሮም ተመሊሶም ከስተምህሩ እንተለዉ ድማ ዜና ሃገርና ሰሚዖም ፡ ናብዚ ክመጽኡ መንገዶም ጀመሩ። ቅዱስ ሚካኤል ብክንፉ ተሸኪሙ አክሱም አብጽሖም። "ምድረ አዜብ ብዘይ ሐዋርያት ጸኒዓ እትነብር ክርእያ" ምስ በልዎም ሸውዓቲኦም ቅዱሳን ድማ ንብረቶም ጠቕሊሎም ሰዓብቶም አኸቲሎም አክሱም አተዉ። እዚ ድማ ንጉሥ አልዓሜዳ ካብ ዝነግሥ አብ መበል ሐምሻይ ዓመቱ እዩ። አባ ገሪማ (ይስሐቅ) ግን ክሳብ እዚ ዕለት አብ ሮም ነጊሦም ነበሩ። ምስ ለአኹሎም መንግሥቶም ገዲፎም ብምምጻእ ታሽዓዮም ኮኑ። ድሕሪ 12 ዓመት ናይ ሓባር ጻንሒት ፡ ንብሕትውናን ጽሞናን ምጥዓም ምስ አበዮም ፡ አባ ኣረጋዊ "ካብ አዝማድና ምፍላይና፣ ካብ ሃገርና ምውጻእና ብብሕትውናን አብ ጽምዋን ንኽንነብር እዩ እሞ ተፈላሊና ክንነብር ይግብአና" በልዎም። በዚ መሠረት ድማ ፦
1. አቡነ አረጋዊ ናብ ደብረ ዳሞ
2. አባ ሊቃኖስ ናብ ደብረ ቆናጽል፡
3. አባ ጰንጠሌዎን ናብ ደብረ ጾማዕት
4. አባ ይስሐቅ (አቡነ ገሪማ) ናብ መደራ፡
5. አባ ጉባ ካብ መደራ ክልተ ምዕራፍ ርሒቖም፡
6. አባ ፅሕማ ናብ ጸዴንያ
7. አባ ይምዓታ ናብ ገርዓልታ
8. አባ አፍጼ ናብ የሓ
9. አባ አሌፍ ናብ አሕስኣ ፡ አትዮም በዓቲ ሰሪሖም ተቐመጡ። አቡነ አረጋዊ ነዲኦም ቅድስት እድና ሒዞም ደቀ መዝሙሮም ማትያስ አኸቲሎም ንእግረ መንገዶም እናመሃሩ፡ ሕሙማት እናፈወሱ ደብረ ዳሞ በጽሑ። አሚነን ዝሰዓብኦም ደቂ አንስትዮ አብ እግረ ደብረ ዳሞ ገዳም ሰሪሖም ንአዲኦም እመ ምኔት ሸምዋ። አብ እግሪ እቲ ጎቦ ኮይኖም "ነዚ ጎቦ እዚ ከመይ ገይረ ክወጾ ይኽእል?" ኢሎም እናሐሰቡ እንተለዉ ዝተአዘዘ ገበል ጭራኡ አብ ፍርቂ እቲ ጎቦ ገይሩ “ምንት ብከ ውስተ ዛቲ ደብር/ብዚ ጎቦ እዚ እንታይ አሎካ? ትበልዖን ትሰትዮን ትለብሶን የብልካን፡ ፀሐይ መዓልትን ቁሪ ለይትን አየስፍረካን።" በሎም። አቡነ አረጋዊ ድማ "ስቕ ኢልካ ዝተአዘዝካዮ ግበር" በልዎ። 60 እመት ዝኸውን ብጭራኡ ጠምጢሙ ቅዱስ ሚካኤል ሰይፈ እሳት ሒዙ እናሐለዎም ናብ ጫፍ እቲ ጎቦ አውጽኦም። ምስ ወጽኡ ድማ "ሃሌሉያ ንአብ፡ ሃሌሉያ ንወልድ ፡ ሃሌሉያ ንመንፈስ ቅዱስ" እንዳበሉ አመሥገኑ። ገዳም ደብረ ዳሞ ፡ እንዳተባህለ ዝጽዋዕ እምበአር በዚ ምኽንያት እዩ። ክሳብ እዚ ዕለት እዚ ብሰንበት ጥራይ እዮም ዝበልዑ ዝነበሩ። በዚ ዕለት ግን ፍርቂ ባኒ በሊዖም ጸገቡ። ብድሕሪ እዚ ምድራዊ ምግቢ አይተመገቡን። መላእኽቲ ብዕለተ ሰንበተ ክርስቲያን ሰማያዊ ሕብስትን ሰማያዊ ወይንን እናምጽኡሎም ቀዲሶም የቐብልዎም ነበሩ። ድሕሪ ጊዜ ፡ ዜና ጽድቆም ሰሚዖም ካብ 6 ሽሕ ዘይንእሱ ደቀ መዛሙርቶም ኮኑ። 99 ዓመት ምስ ገበሩ ጎይታ ፍርቂ ለይቲ ተገሊጹ "ድኻምካ ርእየዮ አለኹ ጸሎትካ እውን ሰሚዐዮ እየ። ምድራዊ መንግሥትኻ ገዲፍካ ስለ ዘገልገልካኒ፡ ሕልፈትን ውድቀትን ዘይብላ ሰማያዊት መንግሥተይ ከውርሰካ እየ" “ለዘሂ ገብረ ተዝካረከ ወተአመነ በጸሎትከ እሁቦ ሞጎሰ በቅድመ መላእክትየ / ዝክርኻ ዝገበረ ብጸሎትካ ዝተአመነ ኩሉ አብ ቅድሚ መላእኽተይ ክብሪ ክህቦ እየ። ንዝጠመየ ብስምካ ዘብልዐ ፡ ጽሙእ ዘስተየ ፡ ቤተክርስቲያን ዘስረሐ ፡ዝሰርሐን ዜና ገድልኻ ዝጸሓፈን ፡ ዘንበበን ዝሰምዐን ክሳብ 15 ትውልዲ ክምሕረልካ እየ። ናይ አዴኻ መቓብር ከም ናይ ሙሴ ክኸውን እዩ። ንስኻ ድማ ሞት አይክትመውትን" ኢሉ ተስፋ ሃቦም። ንመነኮሳት አኪቦም ድማ “እምይእዜሰ ኢትሬእዩኒ በስጋ፥ ድሕሪ ሕዚ ብሥጋ አይክትርእዩንን" ኢሎም አበ ምኔት ሸይሞሙሎም ተሰወሩ።
ምንኩስናን ብሕትውናን አአዝዩ ዓብዪ ክብሪ ዘውህብ ምዃኑ እናተፈለጠ አብዚ ጊዜ ንብሕትውና፣ንምንኩስና ውይ እውን ንመንኖ ዓለም ዝነቕፉ ተጠራጠርቲ ከም ዘለዉ ፍሉጥ እዩ፣ እንተኾነ ቅዱስ መጽሓፍ ከምዚ ይብል።
“ ። ። ። ማቴ. 19፡26
ጸሎትን በረኸት ናይ ጻድቕ አቦና አቡነ አረጋዊ ከምኡ ውን ናይ ኩሎም ቅዱሳን ምስ ኩልና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን
፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።
ዐርኬ
ሰላም ዘሚካኤል ዘተሰምየ አረጋዌ
እስመ ሑረቱ በጥበብ ወፍናዊሁ ልባዌ
ምስሌሁ ኅቡረ ዘበ አሐዱ ህላዌ
ሰላም ለቅዱሳን ዘተሰነዓዉ ስንዓዌ
ከመ በጸሎት ይሥዓሩ ሥርዓቶ ለአርዌ።
✟✟✟ ገብረ ክርስቶስ መርዓዊ ✟✟✟
ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ መርዓዊ ዕረፍቱ እዩ። ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ፡ ወላዲ አቡኡ ናይ ቍስጥንጥንያ ንጉሥ ቴዎዶስዮስን አዴኡ ንግሥት መርኬዛን ፣ብመጽብዓ ዝረኸብዎ በይኑ ወዶም ስለዝኾነ ሃይማኖት እናአምሀርዎ ብምግባር ተንከባኺቦም አዕበይዎ፡፡ ንንግሥና አቡኡ ብምውራስ ንቍስጥንጥንያ ክገዝአሎም ብምድላይ ወለዱ ንመጠነ አካል ምስ በጽሐ ንጓል ንጉሥ ሮም አመርዐውዎ፡፡ ንሱ ግን ንዓለም ፍጹም ብምንዓቕ ንመስቀል ክርስቶስ ንምሽካም ዝተቀረበ ነበረ እሞ አብቲ ዕለተ መርዓኡ ለይቲ ናቱ ኾነ ናይ መርዓቱ ድንግልና ሐሊዉ ካብ ቤቱ ወጺኡ ፡ አብ መርከብ ተሳፊሩ ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ብምኻድ አብ ቤተክርስቲያን ተቐሚጡ ፡ ምስ ነዳያን ተሐዊሱ ብምልማን ለሚኑ ዝረኸቦ ድማ ንኻልኦት እናመጽወተ ብጾም ብጸሎት ተጸሚዱ 15 ዓመት ነበረ፡፡
እምበይተና ተገሊጻ ንሐደ ናይቲ ቤተክርስቲያን አገልጋሊ ንናይ ገብረ ክርስቶስ ጽድቂ እንተነገረቶ ነቲ ምሥጢሩ ንኹሉ ሃገር አብጽሐሉ፡፡ ገብረ ክርስቶስ መርዓዊ ድማ ‹‹ግብረይ ተፈሊጡ፣ ካብዚ ውዳሴ ከንቱ ክሃድም›› ብምባል ናብ ካልእ ሃገር ብመርከብ ምስ ተጓዕዘ ብፍቓድ እግዚአብሔር እታ መርከብ ናብ ዘይአንፈታ ወሲዳ አብ አፍ ደገ እንዳ አቡኡ አብጸሐቶ፡፡ መንነቱ ከም ዝሓብአን ንዓለም ማዕረ ክንደይ ከም ዝነዓቓን ምእንቲ ክርዳእ ፡ አብ አፍ ደገ እንዳ ንጉሥ አቡኡ ከም ለማኒ ኮይኑ ፡ ንአኽልብቲ እንዳ አቡኡ ዝወሃብ ርፍራፍ እናተመገበ ን15 ዓመት ሙሉእ ብትዕግስቲ ተቐመጠ፡፡
ሐሽከራት አቡኡ ድማ ኩሉ ሕጻብን ረስሓትን እናደፍኡሉ ምስ አሳቐይዎ ፡ አኽልብቲ እንዳ አቡኡ ግን ንቑስሊ እግሩ ይልሕስሉ ነበሩ፡፡ ገብረ ክርስቶስ ብጣዕሚ ዝተኸብረ ወዲ ዓብዪ ንጉሥ እንትኸውን እንተሎ ነገር ግን ንዓለም ፍጹም ብምንዓቕ ስለ ጽድቂ ተሰዲዱ እናለመነ ፡ ዝረኸቦ እውን እናመጽወተ ፡ ብጾም ብጸሎት እናተጋደለ ፡ 30 ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፡፡ አብ መወዳእታ ድማ ጎይታናን እምበይተናን፣ ኵሎም ቅዱሳን መላእኽትን፣ ቅድሚ ገብረ ክርስቶስ ዝነበሩ ኩሎም ነቢያትን፣ ሐዋርያትን፣ ጻድቃንን፣ ኩሎም ሰማዕታትን አኸቲሉ መጺኡ ቃል ኪዳን ድሕሪ ምእታዉ ፡ ምስ ጎይታና ብሐንሳብ ዝመጽኡ ኩሎም ብዓብዪ ክብርን ምሥጋናን እናአመሥገንዎ ጎይታና ንክብርቲ ነፍሱ አብ ሕቕፉ ተቀቢሉ አዕረጎ።
ናይ ቁስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳሳት አባ ቴዎፍሎስ ፡ አብ ቅዳሴ እንተለዉ ፡ ናብ ቤት ንጉሥ ከይዶም ንናይ ገብረ ክርስቶስ ሥጋ ከምጽእዎ ናይ እግዚአብሔር ድምፂ ካብ ሰማይ ብትእዛዝ መጽአሎም እሞ ከይዶም እንተረአዩ ናይ ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ሥጋ አብ አፍ ደገ ቤት አቡኡ ንጉሥ ወዲቑ ረኸብዎ፡፡ አብ ኢድ ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ድማ ብጥቅላል ወረቀት ዝተጻሕፈ ደብዳቤ ነበረ እሞ ፡ ወሲዶም ከንብብዎ ምስ ፈተኑ ፡ እቲ ወረቐት አይልቀቕን ኢሉ ፈጺሙ አበዮም፡፡ ብዙሕ ምህለላን ጸሎትን ምስ ተገብረ ፡ እቲ ወረቐት ካብ ኢዱ ተላቐቐ እሞ ፡ ምስ አንበብዎ ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ስለ ፍቕሪ አምላኹ ኢሉ ን30 ዓመታት ዘሕለፎ ብጣዕሚ አሠቃቒ መከራ ብፍላይ ድማ አብ አፍ ደገ ቤት አቡኡ ዋላ ሐደ እንተይፈለጦ ዘሕለፎ ብጣዕሚ መሕዘኒ መከራን ብሐዘን ዘብክይ ታሪኹን ብናቱ ኢድ ብዝርዝር ጽሒፍዎ ተረኽበ፡፡
ንጉሥ አቡኡን ንግሥቲ አዲኡን ድማ እዚ ወዶም ዝጸሓፎ መልእኽቲ አብ ዘንበቡሉ ጊዜ ዝኾኑዎ ጠፍኦም፡፡ እቲ ብጣዕሚ ዝገርም ድማ መጀመሪያ ወለዱ ሰበይቲ ጌሮም ዘምጽኡሉ ጓል ናይ ሮሜ ንጉሥ ለባም ተአማኒት ኮይና 30 ዓመት ሙሉእ አብ ቤት አቡኡን አዲኡን ብትዕግስቲ ክትጽበዮ ምንባራ እዩ፡፡ ንሳ ድማ ታሪኹ እንትንበብ ምስ ሰምዐት ከም ዕብዲት ኮነት፡፡ ንናይ ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ሥጋኡ ናብ ቤተ ክርስቲያን እንትወስድዎ እንተለዉ ብጣዕሚ መገረምቲ ተአምራት አብ ልዕሊ ድዉያንን ሕሙማትን ተፈጸመ፡፡ ካብ ተአምራቱ ዝተላዕለ እቲ መንገዲ ብሕዝቢ ተጨናኒቑ አየሕልፍን ምስ በሎም ፡ እቲ ንጉሥ አብ መንገዲ ወርቂ እናበተነ እቲ ሰብ ነቲ ወርቂ ንምልዓል ምስ ከደ ብፍጥነት ናብ ቤተ ክርስቲያን አብጽሕዎ፡፡
ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዚ ጻድቕ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትንበር ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።
ዐርኬ
ሰላም ለግብረ ክርስቶስ እንተ አንደየ አባሎ
በዴዴ አቡሁ አክልብት እስከነ ለሐሱ ቊስሎ
አዕረፈ ዮሐንስ ለእግዚአብሔር ከመ ሰአሎ
እምእደ አግብርት ተኰንኖ ወእምእደ አእማት ተጽዕሎ
እም ድኅረ ፈጸመ ወሠለጠ ገድሎ።
✟✟✟ ሰማዕት ቅዱስ ሙሴ ✟✟✟
ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ሰማዕት ቅዱስ ሙሴ ዘሮም ዕረፍቱ እዩ። እዚ ሙሴ ዝተባህለ ጻድቅ ታሪኩ ምስ ገብረ ክርስቶስ መርዓዊ ዝተመሳሰለ እዩ፡፡ ዕረፍቶም እውን አብ ሐደ መዓልቲ እዩ፡፡ ወለዲ ቅዱስ ሙሴ ካብ ሀገረ ሮም እንትኾኑ እንተለዉ ፡ ንእግዚአብሔር ዘምልኹን ዝፈርሑን ለውሃት በዓል ጸጋታት እዮም፡፡ ብጾም ብጸሎት ዝተፈልጡ ንድኻታትን ጾሞም ንዝሓድሩን ድማ ዝምጽውቱ ነበሩ፡፡ ቆልዓ ግን አይነበሮምን እሞ መጽብዓ አትዮም ቆልዓ ምስ ወለዱ ንስሙ ሙሴ በልዎ፡፡ ጥበብ መንፈሳውን ጥበብ ሥጋውን እናአምሀሩ አዕበይዎ እሞ ካብ ወገን ዓበይቲ ሀገረ ሮም ዝኾነት ጓል ብሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን አመርዐውዎ፡፡
አብ እንዳ ሕጽኖት ኮይኑ ናይታ ጓል ብጣዕሚ ዝጸበቐ መልክዓ ርእዩ እዚ ኩሉ ነገር ጠፋኢ እዩ ኢሉ ሐሰበ፡፡ ናይ ክልቲኦም ድንግልና ተሓልዩ እንተሎ ፡ ንሰበይቱ ‹‹ብጎይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ እንራኸብ ደሓን ኩኒ›› ኢሉ ወጺኡ ከደ፡፡ ዝለበሶ ናይ ክብሪ ልብሱ ድማ ሸጦ እሞ ንድኻታትን ጾሞም ንዝሓድሩን መጽወቶ፡፡ ንሱ ድማ ፍጹም ድኻ ኮይኑ ቁራስ እናለመነ ንዕኡ እናተመገበ ክሳብ ሃገረ ሮሀ ከደ፡፡ አብ ሃገረ ሮሀ ምስ በጽሐ ድማ ንቤተ ክርስቲያን አትዩ ንንጉሥ አቃርዮስ ዝተላእኽሉ ቅዱሳት ሥእላት ተሳለመ እሞ ወጺኡ ናብርኡ ምስ ድኻታትን ምስ መሳኺንን ገበረ፡፡ ክሳብ ምሸት እናጾመ ድማ ብጸሎት ይተግህ ነበረ፡፡ ለሚኑ ዝረኸቦ ድማ ንዕኡ ንእሽተይ አትሪፉ እቲ ብዙሕ ይምጽውቶ ነበረ፡፡
አቡኡ አውፊምያኖስ ምጥፍኡ ምስ ሰምዐ ብዙሕ ገንዘብ ብምሃብ ንባሮቱ ከክልተ ጌሩ ናብ ሀገሩ ብምልኣኽ አድለዮ፡፡ ክልተ አገልገልቲ አቡኡ ንቅዱስ ሙሴ ረኺበሙዎ ነበሩ፤ ነገር ግን አይፈለጥዎን፡፡ አብ ክንድኡ ድማ አቡኡ አብ መንገዲ ንእትረኽብዎም ኩሎም ድኻታት ሃቡ ኢሉ ዝአዘዞም ገንዘብ ንድኻታት እንትህቡ እንተለዉ ንሙሴ ድማ ምስኦም ሂቦምዎ ሐለፉ፡፡ ሙሴ ግን አገልገልቲ አቡኡ ምዃኖም ፈሊጡ ፡ ካብ ኢድ ባሮት አቡኡ ምጽዋት ብምቕባሉ ንፈጣሪኡ አመሥገነ፡፡ ድሕሪ እዚ ድማ ተጋድሎኡ ብምብዛሕ ክሳብ ሠለስተ መዓልቲ ክጸውም ጀመረ፡፡ እምበይተና ድማ ንሐደ አገልጋሊ ካህን ተገሊጻ ንናይ ቅዱስ ሙሴ ታሪኹን ጽድቁን ነጊራ ካብቶም ነዳያን ፈልዮም ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ከእትውዎ ነገረቶም፡፡ እቶም ካህን ድማ ከይዶም እምበይተና ከም ዝለአኸቶም ነጊሮም ናብ ውሽጢ አእትዮም በዓቲ ሃብዎ፡፡ ቅዱስ ሙሴ ድማ ‹‹መንነተይ እንተተፈሊጠ አብዚ ሃገር አይነብርን›› ብምባል ናብ ቅዱስ ጳውሎስ ሃገረ ጠርሴስ ክኸይድ ሐሲቡ ብለይቲ ተንሢኡ አብ መርከብ ተሳፈረ፡፡
ነገር ግን እታ መርከብ ዓብዪ ማዕበል አናወጻ እሞ ናበይ ከም ዝኸዱ እንተይፈለጥዎ ናብ ወደብ ሃገረ ሮም በጽሑ፡፡ ቅዱስ ሙሴ ድማ ‹‹ፍቓድ እግዚአብሔር ናብ አፍ ደገ አቦይ ካብ አምጸአኒ መንነተይ ንማንም እንተይገለጽኩ አብ አፍ ደገ አቦይ ተደርብየ ድኻ ተመጽዋቲ ኮይነ ንኽነብር ብሕያው ክርስቶስ ስም እምሕል አለኹ›› ኢሉ አብ አፍ ደገ እንዳ አቡኡ እናለመነ ተቐመጠ፡፡ አቡኡ ድማ ሐደ መዓልቲ ብብዙሓት አገልገልቱ ተዓጂቡ ናብ ቤቱ እንትኣቱ እንተሎ ረኸቦ እሞ ፡ አብ ልዕሊ ፈረሱ እንተሎ ንአቡኡ ፡ አብ አፍ ደገ ገዛኡ መጽለሊ ክሰርሐሉን ናይቶም አገልገልቱ ተረፍ ርፍራፍ ክምገብን ለመኖ፡፡ አቡኡ ድማ ናይ ወዱ ምስዳድ ዘኪሩ ብዝተቓጸለ ልቢ ኮይኑ በኸየ እሞ ንፍቓዱ ፈጸመሉ፡፡ ካልኣይ ድማ ካብ አገልገልቱ ንሐደ ጸዊዑ ‹‹ነዚ ምስኪን ድኻ ሰብ ዘድልዮ ኩሉ ነገር ሓግዝዎ›› ኢሉ አዘዘሉ፡፡ ቅዱስ ሙሴ ድማ ነቲ ዝተአዘዘሉ አገልጋሊ ‹‹ብዘይካ ቀዳምን ሰንበትን ምግቢ አይተምጽአለይ›› ኢልዎ ብመዓልታት ሰንበት ጥራይ ንእሽቶይ እናተመገበ ብኸምዚ ዝበለ ተጋድሎ አብ አፍ ደገ እንዳ አቡኡ ወዲቑ ን12 ዓመት ተቐመጠ፡፡
ጎይታና ድማ ተገሊጽሉ ዓብዪ ቃል ኪዳን ሃቦ እሞ ድሕሪ አርባዕተ መዓልታት ምስ ኩሎም ቅዱሳኑ ተመሊሱ መጺኡ ከም ዝወስዶ ነጊርዎ ዐረገ፡፡ ቅዱስ ሙሴ ድማ ነቲ ዘገልግሎ ዝነበረ አገልጋሊ አቡኡ ወረቐትን ቀለምን ከምጽአሉ ነገሮ እሞ አምጽአሉ። ሽዑ ኩሉ ታሪኹ ባዕሉ ጽሒፉ አብ ኢዱ ሒዝዎ እንተሎ ፡ አብ ዕለተ እሁድ አዕረፈ፡፡ ሊቀ ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ሕዝብን ድማ ድሕሪ ቅዳሴ ካብ ሰማይ ድምፂ ሰሚዖም ተሸበሩ፡፡ ድሕሪ ብዙሕ ምህለላ ድማ ናብ አፍ ደገ አውፊምያኖስ ከዱ እሞ ንናይ ቅዱስ ሙሴ አስከሬን ብክብሪ ከንብርዎ ተነገሮም፡፡ እቶም ሊቀ ጳጳሳት ድማ ንአቦ ቅዱስ ሙሴ ንአውፊምያኖስ ጸዊዖም ‹‹ካብኡ ምእንቲ ክንባረኽ ብሕይወት እንተሎ ስለ ምንታይ ዘይነገርካና?›› በልዎ፡፡
አቡኡ ድማ ብጣዕሚ ደንጊጹ ከምዚ ዓይነት ሰብ አብ ቤቱ ከም ዘየለ ነገሮ፡፡ ናብ ቤቱ ከይዶም ድማ ንሥጋ ቅዱስ ሙሴ አብቲ ዝዓረፈሉ መጽለሊ ረኸብዎ፡፡ ስለ ነፍሱ ዝጸሐፎ ጽሕፈት ሊቀ ጳጳሳት አብ ቅድሚ ኩሉ ህዝቢ አንበባ። ኩሎም ድማ ዓብዪ ብኽያት በኸዩ፡፡ ሊቀ ጳጳስ ድማ ንቅዱስ ሥጋኡ ብክብሪ ገኒዞም ናብ ቤተ ክርስቲያን ጴጥሮስን ጳውሎስን ወሰድዎ፡፡ ንሥጋኡ ዝተሳለሙ ብዙሓት ደውያን ተፈወሱ፡፡ ብጣዕሚ ዘደንቑ ተአምራት ድማ ተፈጸሙ፡፡ ናይ ቅዱስ ሙሴ ዕረፍቱ ታሪኹ ሐደ ዓይነትን ተመሳሳልን ምስ ዝኾነሉ ምስ ናይ ቍስጥንጥንያ ሰማዕት ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ መርዓዊ ጥቅምት 14 ኮነ፡፡ በረኸቱ ይሕደረና፡፡
ዐርኬ
ሰላም እብል ለዘመርዓሁ ገደፈ
ወእልታሐ መንፈስ ተዐጽፈ
ሙሴ አጥረየ ንጽሐ ድንግልና ትሩፈ
ኀበ ዓምደ ወርቅ ዘላዕሉ ስሙ ተጽሕፈ
በኢየሩሳሌም ድኅድር ረኪቦ ምዕራፈ።
ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።
ብቴሌ ግራም ንምክትታል ነዚ ሊንክ 👉 https://t.me/snksarTigrinyaaamealtawi እናተንከፍካትኩም እተዉታ
11/04/2026
✝️ በስመ ሥላሴ እቀጥቅጥ ከይሴ! ✝️
ምስጢርን ትርጉምን ቀዳም ስዑር (ዓባይ ቀዳም)
ብመሰረት ትምህርቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ቀዳም ስዑር ኣብ መወዳእታ ዓቢይ ጾም፣ ኣብ ዋዜማ ትንሳኤ እትርከብ ኣዝያ ፍልይቲን ዓባይን መዓልቲ እያ።
1. ቀዳም ስዑር ማለት እንታይ ማለት እዩ?
• ቀዳም ማለት ቀዳም ክትከውን ከላ፣ ስዑር ማለት ድማ ዝተሳዕረት ወይ ዝተለወጠት ማለት እዩ። እዚ ስም እዚ ዝተዋህበሉ ክልተ ዓበይቲ ምኽንያታት ኣለዉ፦
• ለውጢ ስርዓተ ጾም፦ ዝኾነ ቀዳምን ሰንበትን ኣይጽወምን እዩ። እዛ ቀዳም እዚኣ ግን መከራ ጐይታን ብስጋ ኣብ መቃብር ምዕራፉን ንምዝካር ስለ እንጾማ፣ ካብቲ ልሙድ ስርዓት ቀዳም "ተሰዒራ" (ተለዊጣ) ክትጽወም ስለ ዝተገብረት እዩ።
• ምስዓር ሓዘን፦ ሓይሊ ሞትን ሲኦልን ዝተሳዕረላ፣ ናጽነት ደቂ ሰባት ዝተኣወጀላ መዓልቲ ስለ ዝኾነት፣ "ስልጣን ሞት ዝተሳዕረላ መዓልቲ" ተባሂላ ትጽዋዕ።
2. እዛ መዓልቲ ስለምንታይ ትጽወም?
እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ዓመት ሓንቲ ግዜ ጥራይ ክርስትያናት ክጾምዋ ዝተኣዘዘት እንኮ ቀዳም እያ።
• ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ፍቅሪ ደቂ ሰባት ኢሉ ብስጋ ኣብ መቃብር ዝዓረፈላ መዓልቲ ስለ ዝኾነት፣ ምእመናን ምስ ሃዋርያት ብሓባር ብሓዘንን ብጾምን ንትንሳኤኡ ስለ ዝጽበዩ እዩ።
• ሃዋርያት ጐይታ ተታሒዙ፣ ተሰቂሉ፣ ሞይቱ ብምባል ብፍርህን ብሓዘንን ተዋሒጦም ስለ ዝነበሩ፣ ነቲ ናታቶም ኩነታት ንምዝካርን ቅድሚ ደስታ ትንሳኤ ብጸሎት ንምጽናሕን ይጽወም።
3. ትርጉምን ምስጢርን ቄጠማ(ሰቲ መሳሊ )
ኣብዛ መዓልቲ ካህናት ንምእመናን ቄጠማ ይዕድሉ፣ ምእመናን ድማ ኣብ ርእሶም ይኣስሩ ወይ ይሕዙ። እዚ ቄጠማ እዚ ብዙሕ ምስጢር ኣለዎ፦
• ምልክት ብስራት (ብስራት)፦ ኖህ ኣብ እዋን ማይ ኣይሂ እቲ ማይ ምጉዳሉ ዝፈለጠ ርግቢ ቆጽሊ ሒዛትሉ ምስ መጸት እዩ። እቲ ቄጠማ ድማ ማይ ኣይሂ (ኃጢኣትን ሞትን) ምብቃዑን ዘመነ ሰላም (ትንሳኤ) ምቕራቡን የበስር።
• ምልክት ዕረፍቲ፦ ቄጠማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጥቓ ማይን ለምለም ቦታን እዩ ዝበቁል። እዚ ድማ ነፍሳት ካብ ሲኦል ወይ ኣንቀጸ ደይን ወጺኦም ናብ ገነት (ቦታ ዕረፍቲ) ምእታዎም የመልክት።
• ኣኽሊል እሾኽ፦ ጐይታ ኣብ ግዜ መከራኡ ዝደፍኦ ኣኽሊል እሾኽ ንምዝካርን፣ እቲ እሾኽ ብትንሳኤኡ ናብ ሰላም ምልዋጡ ንምግላጽን እዩ።
4. ካህናት ኣብ ቄጠማ ናይ ምዕዳል ምስጢር
ካህናት "ገብረ ሰላም በመስቀሉ" (ብስቅለቱ ሰላም ገበረ)
እናበሉ ቄጠማ ምዕዳሎም፦
• ክርስቶስ ኣብ ሲኦል ንዝነበሩ ነፍሳት ናይ ናጽነትን ሰላምን ብስራት ከም ዝሰበከሎም ኩሉ፣ ካህናት እውን ንምእመናን ብርሃን ትንሳኤን ናይ ሰላም ብስራትን የብጽሑሎም።
• ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይ ድሕነት ብስራት ንዓለም ኩሉ ንምብጻሕ ዘለዋ ተልእኮ የርኢ።
5. ኣብታ መዓልቲ ዝፍጸሙ መንፈሳዊ ስርዓታት
• መዘከርታ ስርዓተ ቀብሪ፦ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጐይታ ኣብ መቃብር ምጽንሑ ዘርእዩ ናይ ጸሎት ስርዓታት ይፍጸሙ።
• በረኸት ለምለም ፦ ካህናት ነቲ ቄጠማ ባሪኾም ንምእመናን የከፋፍሉ።
• ጸሎት ዋዜማ ትንሳኤ፦ እዛ መዓልቲ ካብ ሓዘን ናብ ደስታ መሰጋገሪት ስለ ዝኾነት፣ ምሉእ ለይቲ ብርሃን ትንሳኤ ንምጽባይ ብጸሎትን ብማኅሌትን ይሕደር።
ብሓፈሻ ቀዳም ስዑር ስልጣን ጸልማት ኣብቂዑ፣ ብርሃን ናጽነት ዝወጽኣላ ዓባይ ምስጢር እዩ። ነታ ዓባይ መዓልቲ ትንሳኤ ርእስና ብጾምን ብጸሎትን እነዳልወላ መዓልቲ እያ።
ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይግበረልና!
19/02/2026
ኣታ ወደይ! ንእግዚኣብሔር ከተገልግል እንተ ደኣ ኴንካ፥ ገዛእ ርእስኻ ንፈተና ኣዳሉ።
ቅኑዕን ዘይነቓነቕን ኩን። ብጊዜ ጸገም ከኣ ኣይትተሃወኽ።
ኣብ እግዚኣብሔር ተጸጋዕ፥ ካብኡ ከቶ ኣይትፈለ፥ ኣብ መወዳእታ ዕድሜኻ ድማ ኬኽብረካ እዩ።
ዝኾነ ነገር እንተ መጸካ ተቐበሎ። ውርደት እውን እንተ በጽሓካ፥ ዕጉሥ ኩን።
ወርቂ ብሓዊ እዩ ዚፍተን፥ ጻድቃን ሰባት ድማ ብእቶን ውርደት እዮም ዚፍተኑ።
ብእግዚኣብሔር ተኣመን፥ ንሱ ድማ ኺሕግዘካ እዩ። ብቕኑዕ መገዲ ሠጕም፥ ተስፋኻ ድማ ኣብኡ ግበር።
ኣቱም ኩልኹም ንእግዚኣብሔር እትፈርሁ፥ ምሕረቱ ኽትርእዩ ተጸበይዎ። ከይትወድቁ ኻብኡ ኣይትርሓቑ።
ኣቱም ኵኩልኹም ንእግዚኣብሔር እትፈርሁ፥ እመንዎ፥ ዓስብኹም ከኣ ብርግጽ ኪህበኩም እዩ።
ኣቱም ኵልኹም፥ ንእግዚኣብሔር እትፈርህዎ፥ ዘለዓለማዊ ሓጐስን ምሕረትን ሠናይ ህያባትን ኪወሃበኩም ተስፋ ግበሩ።
እስከ ንድኅሪት ተመሊስኩም ነቲ ናይ ጥንቲ ወለዶ ሕሰቡ። ኣብ እግዚኣብሔር ዝተኣመነ ሰብ እሞ ዝኃፈረ፥ ወይ ሕይወቱ ምሉእ ንእግዚኣብሔር ዘኽበረ እሞ ዝተኃድገ፥ ወይ ከኣ ንእግዚኣብሔር ጸዊዑ መልሲ ዝሰኣነዶ፥ ርኢኹም ትፈልጡ፧
እግዚኣብሔር ሕያዋይን ብምሕረት ዝመልአን እዩ፧ ኃጢኣት ዚኃድግን ብመዓልቲ መከራና ዚሕልወናን ንሱ እዩ።
እቶም ብጊዜ ስደት ልቦም ዚመልቆም፥ ኢዶም ዚለምስ፥ ብኽልተ መገዲ ዚኸዱ ኃጢኣተኛታት ሰባት፥ ወይለኦም።
እቲ ልቡ ዝመልቆ ፈራህ ወይለኡ፥ እምነት ስለ ዘይብሉ፥ ሓለዋ ኣይኪረክብን እዩ።
ኣቱም ተስፋ ዝቘረጽኩም ወይለኹም፥ እግዚኣብሔር ኪፈርደኩም ኪመጽእ ከሎ ደኣ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧
እቶም ንእግዚኣብሔር ዚፈርህዎ፥ ንትእዛዛቱ ኣየፍርስዎን እዮም፥ እቶም ዜፍቅርዎ ድማ ኸም ፍቓዱ ኾይኖም ኪነብሩ እዮም።
እቶም ንእግዚኣብሔር ዚፈርህዎን ዜፍቅርዎን ኬሓጕስዎ ይጽዕሩ፥ ንገዛእ ርእሶም ከኣ ንሕጉ የግዝኡ።
እቶም ንእግዚኣብሔር ዚፈርህዎ፥ ዅሉ ሳዕ ኼገልግልዎ ድልዋት እዮም፥ ኣብ ቅድሚኡ እውን ገዛእ ርእሶም ትሕት የብሉ።
“ዕቤት ምሕረቱ ከም ዕቤት ግርማኡ እዩ እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ካብ ምውዳቕ፥ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ምውዳቕ ይበልጽ” ድማ ይብሉ።
10/09/2025
“ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃልኹም!” ማር. 9፡48
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝመሃሮ ትምህርት፦ “ነፍስ ወከፍ ብሓዊ እዩ ዝምቅር፡ ኵሉ መሥዋዕቲ ድማ ብጨው እዩ ዝምቅር፡ ጨው ጽቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ ብምንታይ ተመቅርዎ፧ እምበኣር ኣብ ነፍስኩም ጨው ይሃልኩም!” ዝብል እዩ። (ማር. 9፡49-50)
ኣብ ዘመነ ኦሪት፡ መሥዋዕቲ እኽሊ ብጨው ተቓሚሙ ይቐርብ ነይሩ እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ፦“ ወኵሉ ቍርባነ መሥዋዕትክሙ በፄው ይትገበር ወኢይትኃደግ ፄው እንዘ ትሠውዑ ለእግዚአብሔር ውስተ ኵሉ ቍርባንክሙ ትወድዩ ፄወ/ ንዅሉ ናይ እክሊ መሥዋዕትኹም ብጨው ኣቃምሞ፡ ኣብቲ ናይ እክሊ መሥዋዕትኹም ጨው ኣይተትርፉ። ንዅሉ መሥዋዕትኹም ጨው ግበርሉ።” (ዘሌ. 2፡13፣ ማር. 9፡49-50) ክብል ኣዚዙ ነበረ።
ጨው ንመግቢ የመቅር። ጨው ዘይብሉ መግቢ ልክዕ ከም ጠባይ ዘይብሉ ሰብ፡ ካህን ዘይብሉ ቤተ ክርስቲያን ፡ ንጉሥ ዘይብሉ ሃገር፡ . . . እዩ። ኣቦና ኢዮብ’ውን “ነቲ መቐረት ዘይብሉ ብልዒ’ኸ ብዘይ ጨው መን ይበልዖ፧” ይብል። (ኢዮብ 6፡6)
ብተወሳኺ ጨው ከም መሕወዪ ቍስሊ፡ ከም ባጤራ፡ . . . የገልግል ከምዝነበረ ዝተፈልጠ እዩ።
ስለዚ ጨው ኣብ ማሕበራዊ ናብራና ብዘለዎ ጥቕሚን ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ብዝህቦ መረዳእታን ዝተፈልጠ ብምዃኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ መቐረትን ጽባቐን ጨው ድኅሪ ምግላጽ “. . . ኣብ ነፍስኩም ጨው ይሃልኩም” በለ።
ኣብ ነፍስና ክህሉ ዝተደልየ ጨው እንታይ እዩ፧ እንተበልና ብቐንዱ ጽኑዕ ሃይማኖትን ሠናይ ምግባርን እዩ። ካብ ሠናይ ምግባር ድማ መሠረትን ዓንድን ጽላልን ዝኾኑ ፍቕሪ፡ ትሕትናን ትዕግሥትን እዮም።
1. ፍቕሪ
ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ሥጋና ተዋሒዱ ክሳዕ ሞት ዘፍቀረና ንሱ እግዚአብሔር ፍቕሪ እዩ።” (1ይ ዮሐ. 4፡10) “ፍቅር ሰሐቦ ለወልደ አምላክ እመንበሩ ወአብጽሖ እስከ ለሞት/ ንወዲ አምላክ ካብ መንበሩ ፍቕሪ ሰሓቦ ክሳዕ ሞት ከኣ ኣብጽሖ” ከምዝብል። (ቅዳሴ ዮሐ. ኣፈ. ቍ. 53)
መሠረት ክርስትና ፍቕሪ እዩ። ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉድ ኽንጽዋዕ ዝበቓዕና ብፍቕሪ እዩ። (ዮሐ. 13፡ 34-35፣ 1ይ ዮሐ. 3፡10) ክርስቲያን ማለት ከኣ ወዲ ፍቕሪ (እግዚአብሔር)፣ ኣብ ፍቕሪ (ክርስትና) ዝነብር ንባዕሉ ፍቕሪ እዩ።
ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወት ካብ ኵለን ናይ መንፈስ ፍረታት እታ ዝቐደመት ፍቕሪ እያ። (ገላ. 5፡22) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ “ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብኵሉ ሓሳብካን ምፍቓር እዩ” ይብለና። (ማቴ. 22፡36-38)
እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ንዅሉ ዝኃዘን ንዅሉ ዝፍጽምን ልዕሊ ኵሉ ብምዃኑ ንሕና ደቁ ንእኡ ልዕሊ ኵሉ ኽንሠርዖን ከነፍቅሮን ክንስዕቦን ይግባእ። ካብ እግዚአብሔር ኣብሊጽና እንርእዮ ክህሉ የብሉን። ልብናን ሓሳብናን ብፍቕሩ ክምላእ እሞ ካብ ምልኣት ፍቕሩ ዝተላዕለ ድማ ከነመስግኖን ትእዛዛቱ ኽንፍጽምን ይግብኣና። “እተፍቅሩኒ እንተ ኴይንኩምሲ ትእዛዛተይ ሓልዉ። እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዝሕልዎ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ።” ከምዝብል (ዮሐ. 14፡ 15-21) ፍቅረ እግዚአብሔር ማለት ትእዛዛቱ ምሕላው እዩ። (1ይ ዮሓ. 5፡3)
ብልሳንና ጥራሕ “አፍቅሮ እየ” ምባል ንኣምላኽ ዝበቅዕ ፍቕሪ ኣይኮነን። ትእዛዛቱ ፈሊጥና እንተ ኣተግበርናዮ ግና ንእግዚአብሔር ከም እነፍቅሮ እዚ ምስክርና እዩ።
ኣብ ወንጌል ሉቃስ ዝተጠቕሰ ፍጻሜ ኣሎ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ስምዖን ዝስሙ ፈሪሳዊ ከምዘሎ ዝፈለጠት ሓንቲ ኃጥእት ሰበይቲ ቅዱይ ቅብኢ ዓዲጋ ናብኡ መጽአት። ትእምርተ ንስሓኣ ብኃጢኣታ እናበኸየት ብንብዓታ ንእግሩ ምስ ሓጸበት ትእምርተ ትሕትና ንእግሩ ብፀጕሪ ርእሳ ደረዘት። ቀጺላ’ውን ትእምርተ ክብር በቲ ዘምጽኣቶ ሽቱ ንእግሩ ቀብአት፣ ትእምርተ ፍቅራ ድማ ንእግሩ ካብ ምስዓም ኣየቋረጸትን።
ማእምረ ኅቡአት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ነዚ ርእዩ ብልቡ ከም ዝነቐፎ ፈሊጡ ምሳሌ መሲሉ ድኅሪ ምርዳእ እዛ ሰበይቲ’ዚኣ ኣብዚኃ ስለ ዘፍቀረትኒ ብዙኅ ኃጢኣታ ተኃዲጉላ ኣሎ። ንስኻ ግና ውኁድ ስለዘፍቀርካኒ ውኁድ ኃጢኣት ይኅደገልካ። ምኽንያቱ “ወዘሰ ውኁደ አፍቀረኒ ውኁድ ኃጢአቱ ይትኃደግ ሎቱ፣ ወዘሰ ብዙኀ አፍቀረኒ ብዙኀ ይትኃደግ ሎቱ/ እቲ ውኁድ ዘፍቀረኒ ውኁድ ኃጢኣቱ ይኅደገሉ፣ እቲ ኣብዚኁ ዘፍቀረኒ ድማ ብዙኅ ኃጢኣቱ ይኅደገሉ” በሎ። (ሉቃ. 7፡36-48)
እዛ ኃጥእት ሰበይቲ፡ ሕይወታ ብፍቕሪ እግዚአብሔር ክምቅር ዝኸኣለ ዝያዳ እቲ ንጐይታ ዓዲሙ መኣዲ ዝሠርዐ ፈሪሳዊ ስምዖን፡ ብገመድ ፍቕሪ ዝተጠምረ ንስሓ፡ ትሕትናን ክብርን ስለዝፈጸመት እዩ። ከመይ! “ነቶም ዘፍቅሩኒ የፍቅሮም፡ ነቶም ኣንጊሆም ዚደልዩኒ ድማ ይረክቡኒ” ከምዝብል።
እታ ድኅሪ ፍቅረ እግዚአብሔር እትሥራዕ ንኣኣ እትመስላ ካልአይታ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ምፍቃር እያ። “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርክኹም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ትእዛዘይ እዚ እዩ።” (ዮሓ. 15፡12) ከምዝብል ትእዛዙ ነንሓድሕድና ኽንፋቐር ስለዝኾነ ጽልኢ ካብ ማእከልና ኣወጊድና ብፍቕርን ሕውነትን እናተመላለስና ንትእዛዝ ጐይታ ክንፍጽም ይግባእ።
ፍቁረ እግዚእ ሓዋርያ ዮሓንስ ኣብ መልእክቱ ፦ “ኣቱም ፍቁራተይ! ፍቅሪ ካብ ኣምላኽ እያ እሞ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዘፍቅር ዘበለ ኵሉ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ እዩ። ንኣምላኽ ይፈልጦ እየ። ንሕና ውን ነቲ ኣምላክ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣሎና። ኣምላክ ፍቕሪ እዩ፣ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዝነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፣ ኣምላኽ’ውን ኣብኡ ይነብር። . . .” ድኅሪ ምባል ኣስዒቡ ከጠቓልሎ ከሎ “. . . ነቲ ዝረኣዮ ኃሙ ዘየፍቀረስ ፡ ነቲ ዘይርኣዮ ኣምላክ ከፍቕር ኣይከኣሎን እዩ።” ይብል። (1ይ ዮሓ. 4፡7-20)
ሓዋርያ ጴጥሮስ ብወገኑ “ፍቕሪ ብዝኂ ኃጢኣት ትኸድን እያ እሞ ቅድሚ ኵሉ ኣብ ነሓድሕድኩም ሃልሃል ትብል ፍቕሪ ትሃልኩም።” (1ይ ጴጥ. 4፡3) ኢልዎ ዘሎ ካብ ሞት ኣምሊጥና ናብ መንገዲ ሕይወት ምእንቲ ክንሳገር ንብጻይና ከነፍቅርን ኣብ ነንሓድሕድና ሃልሃል እትብል ፍቅሪ ክትህልወናን ልብና ንፍቕሪ ከነዳሉን እዩ።
ፍቕርና በዚ ከይተሓጽረት ክሳዕ ንዝጸልኡና ብምፍታው፡ ዝረግሙና ብምምራቕን ንዘጋፍዑና ብምቕባልን ንሕይወትና ከተመቅር ኣለዋ። ከመይ! ከምቲ እቲ ነምልኾ ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ዝጸልእዎ’ውን ከየትረፈ ሥጋኡ ቈሪሱ ደሙ ኣፍሲሱ ንኵሉ ዓለም ተበጅዩ።
ሎሚ ግና ዓለም መቐረት ፍቕሪ ኣለዋ’ዶ፧ ጨው ዘይብላ ኣዝያ መጺጻን መሪራን ትርከብ ኣላ። እዚ ዘሎ ኵናት፡ ዕግርግር፡ ሕንፍሽፍሽ፡ ህውከትን ጽልእን . . . ውፅኢት ናይቲ ፍቕሪ ዘይብሉ ሕይወት እዩ። ምስሊ ዓለም፡ ሓቅን ተግባርን ዝረኃቖ ብቃልን ልሳንን ጥራሕ ዝግለጽ ፍቕሪ እዩ ኮይኑ ዘሎ። እዚ እኳ ንጋዶ እዩ ዘሎ! (1ይ ዮሓ. 3፡18)
ሎሚ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን፡ ዘይሰፍሕን ዘይጸንዕን ዘሎ ብሰንኪ እቲ ፍቕሪ ዘይብሉ ልሳናዊ ጥራሕ እምበር መንፈሳውነት ስለዘይብሉ እዩ። ቀዳሞት ማኅበረ ክርስቲያን ዝኾኑ ሓዋርያት ብፍቕሪ እንተዘይጸንዑ ነይሮም ጸጋ እግዚአብሔር ኣብ ፍረ ሥራሖም ኣይምተራእየን ነይሩ።
ፍቕሮምን ሓድነቶምን ግና ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ፡ ብቋንቋታት ክዛረቡ፡ ንኣሽሓት ሰቢኾም ከእምኑን ንዓለም ብርሃንን ጨውን ክኾኑን ኣኽኢልዎም እዩ። (ግብ. 2፡1-46)
ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን፡ በቲ እግዚአብሔር ዝሃበና ጸጋን ዓቕምና ዝፈቕዶን ንቤተ ክርስቲያን ከነገልግል ሠናይ እኳ እንተኾነ ግና ምእንቲ እግዚአብሔር ክሠምሮን ክባርኾን ኣብ መንጎና ፍቕሪ፡ ምስ ካልኦት ፍቕሪን ንኣገልግሎትና ፍቕሪ ክህልወና ኣለዎ።
ጸሎትና፡ ጾምና፡ ስግደትና፡ ናይ ሰብከት ኣገልግሎትና፡ መዝሙርና፡ ሥነ ጽሑፍና . . . ወዘተ ኵሉ ጕያናን ካብ ፍቕሪ ዝነቐለ ብፍቕሪ ዝስነ ክከውን ይግባእ።
ሓቀኛ ፍቕሪ ዘይብሉ ኣገልግሎት ንእግዚአብሔር ከሥምሮ ከምዘይክእል ኣብ 1ይ ቆሮ. 13፡1-3 “. . . ግና ፍቕሪ ካብ ዘይህልወኒ ከም ዘድሂ ኣስራዚ ወይ ጭልጭል ከም ዝብል ጸናጽል ምኾንኩ . . . ከንቱ ምኾንኩ ነይረ፡ . . . ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ።” ብምባል ተገሊጹ ኣሎ። ምክንያቱ፦
• ፍቕሪ ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎ። ምሳ. 10፡12
• ፍቕሪ ብዝኂ ኃጢኣት ትከድን። 1ይ ጴጥ. 2፡17
• ፍቕሪ መፈጸምታ ኵሉ ሕጊ እያ። ሮሜ 13፡10
• ፍቕሪ ማእሠር ፍጻሜ እያ። ቈላ. 3፡14
ንጽልኢ ኣርኂቑ ፍቕሩ ይሃበና!
. .ልሳን ተዋህዶ!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን
06/08/2025
#ፍልሰታ ለማርያም
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
ትርጉም
ፍልሰታ ዝብል ቃል ‘ፈለሰ’ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፤ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ፡ ሃገርካ ሰፈርካ ገዲፍካ ምኻድ ምስዳድ ምፍላስ ማለት እዩ። ፍልሰታ ለማርያም ክንብል ከሎና’ውን ሥጋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ጌቴሰማኒ ናብ ገነት ምፍላሱ፡ ዳኅራይ’ውን ካብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ናይ ገነት ምፍላሱ ዘመልክት እዩ። ብሓጺሩ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ምድያብ ወይ ምዕራጉ፡ ካብዚ ሥጋዊ ዓለም ናብቲ መንፈሳዊ ዓለም ምስግጋሩ፡ ካብዚ ሓላፋይ ዓለም ናብቲ ዘይሓልፍ ዓለም ምሕላፉ ዘመልክት እዩ።
ጾመ ፍልሰታ ክንብል ከሎና’ውን ሓዋርያት ናይ ኣዴና ሥጋ ናበይ ከምዝፈለሰን ከምዝተቐብረን ስለዘይፈለጡ እግዚአብሔር ክገልጸሎም ምእንቲ ብዛዕባ ሥጋ ኣዴናን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ዝጾምዎ ጾም እዩ።
ዜና መዋዕል
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኣቡኣ ኢያቄም ኣዴኣ ሐና “እም ሊባኖስ ትወጽእ መርዓት” ተባሂሉ ብመሠረት ዝተነግረላ ትንቢት ፯ ነሓሰ ተጸኒሳ ባሕቲ ግንቦት ኣብ ኣኽራናት ሊባኖስ ተወልደት። ጓል መብጽዓ ኸኣ እያ። ዝተወለደትሉ ዘመን ኸኣ ፲፭ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እዩ።
ኣዴና ኣብ ቤት ኣቡኣ ፫ ዓመት ኣብ ቤተ መቅደስ ኸኣ ፲፪ ዓመት፡ ምስ ወዳ ኸኣ ፴፫ ዓመትን ፫ ወርሕን፡ ምስ ዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ ኸኣ ዳርጋ ፲፭ ዓመት ተቐሚጣ፤ ብጠቕላላ ኣብ መበል ፷፬ ዓመት ኣብዚ ምድሪ ድኅሪ ምንባራ ፳፩ ጥሪ ከባቢ ፶ ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልየት።
ትንቢት
ነቢያት ኣቐዲሞም ብዛዕባ ዕረፍትን ትንሣኤን ኣዴና ቅድስት ድንግል ብምሳሌን ብምሥጢርን ተዛሪቦም ነይሮም። ከም ኣብነት ቅዱስ ዳዊት “ተንሥእ እግዚኦ ውስተ ዕረፍትከ፡ አንተ ወታቦተ መቅደስከ” (መዝ ፻፴፩፥፰) (ኦ እግዚአብሔር ንስኻን ታቦት መቅደስካን ተንሥእ፡ ናብ ዕረፍትኻ ንዓ” ኢሉ ተንቢዩ ነይሩ። ትርጉሙ ኸኣ ኦ ፈጣሪየይ እግዚአብሔር ምእመናን ናብ እተዕርፈሉ መንግሥተ ሰማያት ታቦት መቅደስካ ዝኾነት ድንግል ማርያም ሒዝካ ተንሥእ ክብል ከሎ እዩ። እዚ ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ትንሣኤ ወዳ ከምዝተንሠአት ዘመልክት እዩ። ኣማናዊት ታቦት ዝተባህለት መኅደሪኡ ንሳ ስለዝኾነት።
ጥበበኛ ሰሎሞን’ውን “ፍትወይሲ፡ ኣቲ ፍትውተይ፡ ተንሥኢ፡ ጽብቕተየ፡ ንዒ፤ እንሆ፡ ክረምቲ ሓሊፉ፡ ዝናም ዛርዩ፡ ተወዲኡ። ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ፡ ጊዜ መዝሙር በጽሔ። ድምጺ ባሬቶ ኸኣ ኣብ ምድርና ተሰምዔ። በለስ ፍሬኡ ጐጐበ፡ ተኽሊ ወይኒ ዓምቢቡስ መኣዛኡ የውጽእ ኣሎ። ኣቲ ፍትውተይ፡ ተንሥኢ፡ ጽብቕተየ፡ ንዒ።” ክብል ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍትን ትንሣኤኣ ዝምልከት ነገር ጠቒሱ ኣሎ። (መኃ ፪፥፲-፲፫)
ብመሠረት እዚ ትንቢታዊ ምሳሌ ኸኣ እቲ ‘ፍትውተይ ጽብቕተይ’ እናበለ ዝጸውዐ ጐይታናን መድኃኒናኒ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ትጽዋዕ ዘላ’ውን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። እቲ ክረምቲ ሓሊፉ ዝተባህለ ኸኣ እቲ ኣብ መዋዕል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ወዳን ዝሓለፈ መከራን ስደትን ሓዘንን እዩ። እዚ ኸኣ ካብ ምውላዳ ጀሚሩ ክሳብ ዕረፍታ ኣብ ልዕሊኣ ንዝነበረ ተጻብኦ ኣይሁድ ዘመልክት እዩ። አብ ቤተ መቅደስ’ውን ኣረጋዊ ስምዖን ‘ኣብ ነፍስኺ ሰይፊ ክኣቱ እዩ’ ኢልዋ ንዝነበረ ነገር ዘዛምድ እዩ። ከምቲ ዝተገልጸ’ውን ንሳ ብናይ ሓዘን ፍላጻ ልባ ዝተወግኣትሉ ዘመን ሓሊፉ ናይ ክርስቶስ ሕማሙ ሞቱ ቤዛነቱ ከምዝተፈጸመ ዘርእይ እዩ። ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ ኢሉ ከምዝመሰሎ፡ ትንሣኤኡ ኣብ ምድሪ ተገሊጹ፤ ተሰቢኹ ንማለት ብምሳሌ ዝገለጾ ኸኣ እዩ። ብድምፂ ባሬቶ መሲሉ ኸኣ ድምፂ ሓዋርያት ኣብ ኵላ ምድሪ ከምዝተሰመዐን ከምዝበጸሐን ዝገልጽ እዩ። ቅዱስ ዳዊት’ውን ነዚ ኣመልኪቱ “ውስተ ኵሉ ምድር ወፅአ ነገሮሙ። ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦሙ” (ድምፆም ናብ ኲሉ ምድሪ፡ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ፡) ኢሉ ከምዝተነበዮ ማለት እዩ። (መዝ ፲፰፥፬)
“በለስ ፍሬኡ ጐጐበ፡ ተኽሊ ወይኒ ዐምቢቡስ መኣዛኡ የውጽእ ኣሎ።” ምባሉ’ውን እቲ እተዘርአ ቃል፡ ዝተሰብከ ትምህርትን ፍረ ክርስትና ኣፍርዩ፤ ኣብ ምእመናን’ውን ሰናይ ግብሪን (ፍረ) መንፈሳዊ ተጋድሎን ክረኣይ ጀመረ። ኣብ ኵሉ ዓለም ኸኣ ኣብያተ ክርስቲያን ተተኺሎም፡ ብሃይማኖት ምዕንባቦምን ፍረ ምሃቦምን መዓዛ ምግባርን ምቕራብን ድኅሪ ምጅማሮም ኣዴና ንኸተዕርፍ ብጐይታ ከምዝተጸወዐት ዘረድእ ድንቂ ትንቢት እዩ።
ታሪኽ
ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላክ ብ ፳፩ ጥሪ ኣብ መበል ፷፬ ዕድሚኣ ከም ዘዕረፈት ብንጹር ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተመዝጊቡ ኣሎ። ኵሉ እኳ ሞተ ሥጋ ዝመውት እኳ እንተኾነ፡ ሞተ ማርያም ግና ንኵሉ ዘድንቕ እዩ ከምዝተባህለ ወላዲተ አምላክ ክነሳ ንሳውን ከተዕርፍ ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓዱ ኮነ።
ሓዋርያት ገኒዞም ክቐብርዋ ክኸዱ ከለዉ፡ ጌተሰማኒ ከይበጽሑ ከለዉ እቶም ወትሩ ዝጻብዕዋ ኣይሁድ ሕጂ’ውን ሸለል ከይበሉ ብእከይ ቅንኢ ተላዓዒሎም ሥግኣ ከቃጽሉ ተኣኪቦም መጹ። እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ ንሓዋርያት “ቅድም ንወዳ ቀቢሮሞ ከብቕዑ፡ ኣብ ሣልስቱ ተንሢኡ፡ ኣብ ፵ መዓልቱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፡ ዳግማይ ኸኣ ክምለስ እዩ ኢሎም ንሕዝቢ ብዙኅ ኣታሊሎሞን ወሲዶሞን፣ ሕጂ ድማ ስቕ እንተበልናዮም ነዚኣ’ውን ከም ወዳ ወሲዶም ኣብ ዘይንፈልጦ ኣንቢሮም ንሳ’ውን ተንሢኣ እናበሉ ክህውኹና ክነብሩ እዮም” ካብ ዝብል እከይ ሓሳብ’ዩ። ብመሠረት ምኽሮም ኸኣ ታውፋንያ ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ኣይሁድ ጎበዝ ሰብኣይ ንሥጋ ቅድስት ማርያም ምእንቲ ከንድዳ ዓራታ ክግምጥላ ኢሉ ናብቲ ሓዋርያት ተሸኪሞሞ ዝነበሩ ዓራት ብድፍረት ቀረበ። ነቲ ዓራት ምስ ሓዞ፡ ቅዱስ ገብርኤል ካብ ሰማይ ወሪዱ ንታውፋንያ ኣእዳዉ ቆረጾ ኣብቲ ዓራት ድማ ተንጠልጢለን ተረፋ። ብድኅሪ’ዚ ምስ ዮሓንስ ገይሩ ብደመና ተነጢቓ ኣብ ገነት የእትዩ ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ኣንበራ። ዕርገታውን ብምስጋና መላእኽቲ ብስግደት ሰማእታት ዝተሰነየ እዩ ነይሩ። ታውፋንይ ግና ብዝፈጸሞ ክፉእ ግብሪ ተጣዒሱ ናብ ኣዴና ስለዝተማኅጸነ ብኅቡእ ተኣምራት ኣእዳዉ ናብ ናይ ቀደመ ሰፈረን ተመሊሰናሉ እየን። (ስንክሳር ዘጥር ፳፩)
ድኅሪ’ዚ ሓዋርያት ካብኦም ብምፍላያ ጥራይ ዘይኮነ ኣበይ ከም ዘላን ኣበይ ከም ዝኣተወትን’ውን ስለ ዘይፈለጡ ብብዙኅ ሓዘንን ብኽያትን ድኅሪ ምጽናሕ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ካብ ኣዴና በረኸት ተቐቢሉ ካብ ገነት ምስ ተመልሰ ከመይ ኮነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ በልዎ፡ ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ከም ዘላ ነገሮም። ዮሓንስ ርእይዋ ንሕና ከይረኣናያ ብምባል ብመንፈሳዊ ቅንኢን ፍቕርን ተበጊሶም በቲ ሓደ ባዕሉ ዮሓንስ ብዝሓበሮም ኸኣ በቲ ካልእ ኣብ መጀመርያ ነሓሰ ጾም ጀመሩ። ንኽልተ ሰሙን ምስ ጾሙ ኣብ መወዳእታ ናይታ ካልአይቲ ሰሙን ሰንበት መዓልቲ ጐይታ ባዕሉ ንሥጋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣምጺኡ ሃቦም፤ ንሳቶም ኸኣ ብዓቢይ ዝማሬን ውዳሴን ከምኡውን ብጽኑዕ ምህለላ ኣብቲ ዝተዳለወ መካነ ዕረፍቲ ኣብ ጌተሰማኔ ቀበርዋ። (ስንክሳር ዘነሐሰ ፲፮)
ኣብ ሣልስታ ሠሉስ መዓልቲ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ካብ’ቲ ብስብከተ ወንጌል ከይዱዎ ዝነበረ ሃገረ ስብከት ብደመና ተጻዒኑ እናተመልሰ ከሎ፡ ብ፲፮ ነሓሰ እግዝእትነ ማርያም ካብ መቓብር ተፈልያ ተንሢኣ መላእክት ብግርማ ናብ ሰማይ ከዕርግዋ ከለዉ ከኣ ኣብ መገዲ ኣብ ሰማይ ተገልጸትሉ። ኵሎም ሓዋርያት ዕርገታ ርእዮም ንሱ ዝተረፈ ኸኣ መሰሎ። ሕጂ’ውን ትንሣኤ ቅድስት ድንግል ከይረኣየ ዕርገታ ብምርካቡ “ብመጀመርያ ናይ ወድኺ ትንሣኤ ሕጂ ኸኣ ናትኪ ትንሣኤ ከይረኣኹ ተሪፈ” ብምባል ብጓሂ “ወፈቀደ ይደቅ እምደመናሁ” ከም ዝበለ ካብቲ ተጻዒንሉ ዝነበረ ደመና ክወድቅ ክሳብ ዝደሊ ኮነ። ቅድስት ድንግል ማርያም ግን ኣይትሕዘን ምኽንያቱ እዚ ምርኣይ’ዚ እንትርፎ ንዓኻ ንካልእ ኣይተዋህበን ኢላ ኣጸናንዓቶ፤ መግነዚኣ ሂባ ድማ ፍልሰታ ከበስሮም ናብቶም እኩባት ሓዋርያት ኣፋነወቶ።
ሽዑ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ናብ ሓዋርያት ከይዱ ከም ዘይፈለጠ ኮይኑ “ጒዳይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምሲ እንታይ ኮነ ገለ ነገር’ዶ ኣይረኸብኩምን” በሎም። ንሳቶም ድማ እቲ ነገር ዘርዚሮም ሓበርዎ፤ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ግና “እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፡ መቓብራ ከፊትኩም ሥጋኣ እንተዘይኣርኣኹምኒ ኣይኣምንን’የ” በሎም። ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ብተግሣጽ “ንስኻ ኵሉ ግዜ ማንታ ዝልቡ ተጠራጣሪ ኢኻ ቅድም ትንሣኤ ክርስቶስ እናተነገርናካ፡ ኣእዳው እንተዘይሓዝኩ ዝተወግአ ጎኑ ከይዳህሰስኩ ኣይምንን ኢልካስ ሕጂ’ውንዶ ከምኡ ትብል ኣለኻ” በሎ። ቅዱስ ቶማስ ግና ናይ ልቡ ኣብ ልቡ ገይሩ ሥጋኣ ከርእይዎ ግድን በሎም።፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ እናሓዘነ ሥጋኣ ከርእዮ ምስ ሓዋርያት ናብ መቓብራ ወሰዶ። እንተኾነ ተንሢኣ ስለዝነበረት መቓብራ ከፊቱ ሥጋኣ ክረኽቦ ኣይከኣለን። በዚ ነገር ተሰናቢዶም ከለዉ፤ ሽዑ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ፍልሰታ ኣዴና ከምዝረኣየ ኣበሰሮም፡ መረጋገጺ ድማ እታ ዝተገንዘትላ ቅናታ ሃቦም። ንበረኸት ድማ ነቲ ሰበን ቆራሪጾም ተኸፋፊሎም ነናብ ሃገረ ስብከቶም ከይዶም።
ስለዚ ኸኣ ፲፮ ነሓሰ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ነቢይ ዳዊት “ተንሥእ እግዚኦ አንተ ወታቦተ መቅደስከ” ኢሉ ኣቐዲሙ ከም ዝተዛረቦ እምኒ ኣልዕሉለይ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለት ማኅተም መቓብር ፈቲሓ ልክዕ ‘ከም ትንሣኤ ወዳ’ ካብ መቓብር ተፈልያ ዝዓረገልትሉ ክቡር መዓልቲ’ዩ።
ከም’ቲ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ትንሣኤኣን ዕርገታን ንከርእዮም ድማ ኣብ ዓመታ ከምቲ ናይ ቅድሚኡ ክልተ ሱባኤ ኣተዉ። ጾሎቶም ተቐቢሉ ኸኣ ንኣዴና መንበር፡ ንቅድስ ጴጥሮስ ንፍቅ ካህን፡ ንቅዱስ እስጢፋኖስ ኸኣ ገባሬ ሰናይ ዲያቆን ገይሩ ቀዲሱ ንኵሎም ድኅሪ ምቝራቡ ኸኣ ዕርገታ ኣርኣዮም። ቅድሚኡ ዘይተራእየ ድማ ኣብዚ መዓልቲ ዓቢ ሓጎስን ፍስሓን ኮነ።
ጾመ ፍልሰታን ፍሉይነቱን
እዚ ጾም እዚ ካብቶም ሸውዓተ ኣጽዋማት እቲ ሓደ እዩ። ሕዝብና ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዘለዎ ልዕል ዝበለ ኽብርን ፍቕርን እዚ ጾም’ዚ ብፍሉይ ክጾሞ ኢና እንርእዮ። እዚ ኸኣ ሕጻን ዓቢይ ከይፈለየ ኵሎም ምእመናን ብዝደመቐን ልዑል ተሳትፎ ብዘለዎ ኣገባብን ክጾምዎ ኢና እንርኢ።
ሕጻናት ኸኣ ምስቲ ኣብዚ ጊዜ እዚ ትምህርቲ (ዘመናዊ) ዘይምህላዉ ኣብ ጾም ይኹን ኣብ ቅዳሴ ከምኡውን ካብ ካልእ ጊዜ ብዝተፈለየ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ኣብ ምቕባል ዘለዎም ተሳትፎ ልዕል ዝበለ እዩ። እቲ ካልእ ብፍሉይ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ዝረአ ኸኣ ሕጻናትን ንኣሽቱ ኣወዳትን ኣዋልድን ብመትሓዚ ማይ (ብጃሎን) ካብ በቤቶም ማይ ብምምላእ ኣንጊሆም ናብ ቤተ ክርስቲያን እናዘመሩ ዝኸድዎ ደስ ዘብል ኣገባብ እዩ። እቶም ሕጻናት ኸኣ ጸሎቶም ኣብጺሖም ብካህናት ድኅሪ ምብራኽ በቲ ዘምጽእዎ ማይ ኣብ ዕሙራት ኣግራባትን ከውልታትን ብምዃን ክሕጸቡ ምርኣይ ክሳብ ክንደይ ፍቕሪ ኣዴና ከምዝሰረጾም ዘርእይ እዩ። “ህየንተ አበውኪ ተወልዱ ለኪ ደቂቅ” (ኣብ ክንዲ ኣቦታትኪ ውሉድ ተወሊዶሙልኪ) ዝብል ቃል እግዚአብሔር ዘዘካኽር ኸኣ እዩ። (መዝ ፵፬፥፲፮)
መንእሰያትን ዲያቆናትን ኸኣ ካብ ካልእ ጊዜ ብዝተፈለየ ማለት ዝያዳ ኣብዚ ጊዜ እዚ ነዊሕ ሰዓታት ክጾሙን ክጽልዩን ክሰግዱን መዓልታዊ ከቕድሱን ብብዝኂ ይረኣዩ እዮም። ኣብ ክንዲ ናይ ኣጽዋማት ምግቢ’ውን ጥረ ምረ እናበልዑን፡ ካብ ዓራቶም ወሪዶም ኣብ መሬት ብምድቃስ ዝጾምዎ’ውን ኣለዉ። ገሊኦም’ውን ኣብ ገዳማት ብምኻድ ነቲ ክልተ ሰሙን ብሱባኤ ከሕልፍዎ ዝምረጹሉ ጊዜ’ውን እዚ ጾም ፍልሰታ እዚ እዩ። ብሓቂ ድማ እዚ ጾም’ዚ ናይ በረኸትን ጸጋን ጾም ምዃኑ ብጋህዲ ዝረኣዩ እዋን ኸኣ እዩ።
እቶም ዓበይትን ብፍላይ ኸኣ ኣብ ገዳማት ዘሎ ሥርዓተ ጾም ዝምስጥን መናንያንን መነኮሳትን ብሓቂ ምድራውያን መላእኽቲ ኮይኖም ብዝያዳ ዝርከቡሉ እዩ። ጸሎቶም ኣይጋደፈና።
ምኽንያት በዓል
ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተጠቕሰ፡ ሓዋርያት ዝጾምዎ ጾም ኣብ ክልተ ሰሙኑ ይፈጸም ደኣ እምበር ድኅሪ ሥጋኣ ተቐቢሎም ምቕባሮም ትንሣኤኣን ዕርገታን ኣብ ሣልስት እዩ ተፈጺሙ። ስለዚ ኸኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያት ንዝጾምዎ ክልተ ሰሙንን ከምኡውን ትንሣኤኣ ክሳብ ዝኾነሉ ዕለት ብጠቕላላ ደሚራ ክጽወም ሥርዓት ሠሪዓ ኣላ። በዚ መሠረት ኸኣ ምእመናን ናይ ሓዋርያት ኣብነት ብምኽታል፡ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በረኸት ንምርካብ ዓመት መጸ ብሰላም ብፍቕሪ ክጾምዎ ይርከቡ ኣለዉ። “ሞት ብጥሪ፡ ብነሓሴ ቀብሪ” ከምዝተባህለ ኸኣ ተቐቢራ ኣብ ሣልስታ ማለት ሓዋርያት ሱባኤ ካብ ዝጀመሩሉ ኣብ መበል ፲፮ መዓልቲ ማለት ቅድስት ድንግል ማርያም ዝፈለሰትሉ (ዝዓረገትሉ ) ዕለት ፲፮ ነሓሰ ቤተክርስትያን ዓመት መጸ ብኽብ ዝበለ ክብሪ ተብዕሎ። እዚ በዓል እዚ ኸኣ ሓደ ካብቶም ፴፫ በዓላተ ማርያም እዩ።
እንታይ ንግበር
እዚ ንኣትዎ ዘሎና ጾም ኸኣ ኣቦታትና ብዙኅ በረኸትን ጸጋን ዝረኸቡሉ ከም ምዃኑ ንሕናውን ከምኣቶም ክንረብሓሉ ኮይንና ከምቲ ክንጾሞ ዝግበኣናን ዝተኣዘዝናዮን ኮይንና ክንጾሞ ኣሎና። ንድኅሪት ዝጐተናን ዘትረፈናን ከምኡውን ዘሰናኽለና ሥጋዊ ሓሳባትና ንድኅሪት ገዲፍና ምሉእ ሓሳባትና ናብቲ ወሃቢ ኵሉ ጸጋ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣእምሮና ክንእክብ፡ ብጸሎትን ሰናይ ተግባራትን ትሩፋትን ክንጽመድ ኣሎና።
ብንስሓ ነፍስና ሓጺብና፡ ካብ ክፉእ ዘበለ ማለት ካብ ቂምታ ባእስን ክርክርን ክፋእ ወዘይመስሎ ኵሉ ርሒቕና፡ እግዚአብሔር ዝሠመሮ ሰናይ ምግባረ ትሩፋት እናፈጸምና ብምሉእ ልብና ናብ እግዚአብሔር እንተደኣ ተመሊስናን ለሚንናዮን ኵሉ እቲ ዘድልየና ከምዝህበና እሙን ነገር እዩ። እዚ ጊዜ እዚ ፈቓድ ኣምላኽ ንምሥማር፡ ሥጋዊ ሓሳባትና ነውንዝፈሉ፡ ሰማያዊ ስንቂ እንእክበሉ፡ ንዝዓበየ መንፈሳዊ ጸጋ እንጽዕተሉ እዩ።