01/05/2023
#እንደወረደ!!
"በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።ኢለ እንተጀመርኩ ይሓይሽ ም/ቱ ኸዓ እ/ሔር ዘቀደመ ሰብ ኩሉ ግዜ ኻብ ስሚዒታዊ ዝኮነ ነገር ምክንያታዊ ብዝኮነ መንገዲ ንክጎዓዝ ስለ ዝሕግዞ።ብዝኾነ እዚ እንትፅሕፈልኻ ብስሚዒት ተደፋፊአ እንተይኾነስ ምክንያታውነት ብምድጋፍ እየ።ዝገርመካ ነገር እዚ ኩሉ ዓመታት ሓቢርና እንትንቅመጥ ብዘይካኻ ኻልእ ሰብ ዘለኒ ኣይመስለንን ነይሩ ነዚ እውን እዩ ኽዳነይ ኽዳንካ፣ክዳንካ ድማ ክዳነይ እንተተይበሃልና እስኻዕ እዛ ዕለት ዝበፃሕና።ግና እቲ ብጣዕሚ ዝገረመኒ ነገር "ኣቦታትና እንትምስሉ ለካ ብዘይ ሓደ ነገር አይኮነን።"ንፈታዊኻ ቅርሺ ኣይተለቃሓዮ"ክብሉ ይሰምዕ ነይረ ኮይኑ ግን ነዚ ኣበሃህላ ካብ ዝቃወሙ ሰባት ቁፅሪ ሓደ ዝስራዕ ኣነ እየ ነይረ እንተበልኩ ምግናን ኣይኸውንን እንተ ምንታይ ሲ "ንዝፈትወካ ሰብ ኣብ ፀገሙ እንተዘይ በፂሕኻሉ፣ፀገሙ እንተዘይ ተኻፊልካ እቲ ምፍታውካ ድኣ እንታይ ዋጋ ኣለዎ?ዝብል ዓብይ መኸራከሪ ሓሳብ እዩ ነይሩኒ።ብዝኮነ በዚ ዝተልዓለ ሓደ ነገር ወስ ከብል ስለ ዝደለኹ እየ ።ብኣጋጣሚ ናብ ሓደ ዕቋርን ልቃሕን ትካል ምስ ሓደ መሓዛይ ይከደልኩም እሞ ቢሮ እትው እንትብል ቅድሚያ ናብ ዓይንኻ ዝሰኣል "ዘየለቅሕንስያ ቀታሊ ፤ዘይምልስን ከ ኸታሪ"እትብል መሪሕ ቃል ብድምቀት ዝተፅሓፈት ጭርሖ ምስ ረኣኩ ነቲ ናይ ውሽጠይ ዝነበረ ርድኢት ስለ ዝደገፈለይ ብጣዕሚ ደስ በለኒ።እዚ ኹሉ ዓጀው ጀው ዝብል ዘለኹ ኣነን ንስኻን ክንፀባፀብ ደልየ ኸምዘይ ኾንኩ መቸም ኣንዳዕዲዕኻ ትፈልጥ ትኸውን ።ዝኾነ ኾይኑ ናብቲ ዋና ቁም ነገር ክኣቱ ትዝ ይብለካ ዶ ?ናይ ሰብዓካሬ 20,000ሓዚ እንተዘይ ኣምፂእኻ ኢሎም እንተፃብቡለይ ዘይንስካ ካልእ ሰብ ስለዘይነበረኒ ኣጨናኒቀካ ንስኻ ኣሽዑ ከምቲ ሓዚ ኣይነበርካን ዳም ዳም(ክዳ ሙጩ ክዳ ክቱ) ኢልካ 12,000ብር ስለዘምፃእኻለይ መምስተን ዝነበራኒ 8,000ናትካ ወሲኸ ስለዝኸፈልኩ ብጣዕሚ ኣመስጊነ ለካ ሰብ ምቅርራብስ ጥቅሙ እዚ እዩ እናበልኩ ኣምላኸይ ከመስግን ገይርኻኒ።ኻብ ሰብ ተለቂሕኻ ስለ ዝሃብኻኒ ግዜ ኣይወሰድኩን ናብ ስራሕ ቦታኻ መፂአ 20,000ብር ሂበካ እዚ እንትህበኻ ንስኻ ኣሽዑ ሰብዓ ካሬ ትምዝገብ ስለዝነበርካ ኸይንእሰካ መዋስክቲ እንተኮነካ ብምባል እምበር ቅርሺ ስለ ዝበዝሓኒ ኣይነበረን እዚ ቅርሺ እንትምልሰልካ ካብ ካልእ ተለቂሐ እየ ሂበካ ኮይኑ ግን ሓዚ እንታይ ተረኪቡ እዩ ድኣ እተን ናይ ባዕልኻ ቅርሺ 12,000ኣትሪፍካ እተን ዝቀረያ 8,000ዘይትምልሰለይ ?ማለት ቅርሺ ሲእንካ ኸይብል ብዝተፈላለየ መንገዲ ቅርሺ ትቅበል ከም ዘለካ ብእዝነይ ይሰምዕ ኣለኹ ብዓይነይ እውን ይርኢ ኣለኹ!!ስለዚ ናይ ሰብ ቅርሺ ተለቂሕኩም ኣብ ምምላስ ከም ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ናይ ምባል ኣመል ዘለኩም ኹልኩም ልቃሕኩም ተሎ መሊስኩም ዝነበረኩም ፍቅሪ ኣዳብሩ።ዝምለስ ቅርሺ እንተስኢንኩም እዚ ንዓኻትኩም ኣይምልከትን ነቶም ናዳማቶም ቅርሺ ተለቂሖም ግን ዋላ እናሃለዎም ዘይምልሱ ግን ካብ ፍቅሪ ገንዘብ ፍቅሪ ሰብ እዩ ዝዓቢ እሞ ናብ ልብኹም ይምለስኩም!!