21/10/2024
"ካብ ኩለን ዕለታት ንሰንበት ኣኽበረ ፡ካብ ኩለን ኣዴታት መሕደሪት ክትኾኖ ንማርያም ፈተወ (መረጸ )(ዚቅ)
ሓደ ዝፈትዎ ዲያቆን ሓወይ ነዛ ጥቅሲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰዲዱለይ ።ኣነ ድማ ካብኣ ተበጊሰ ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ክጽሕፍ ደልየ ።እንበኣር እዛ ጥቅሲ እንታይ እያ ትብለና ዘላ ካብተን ሸውዓተ ዕለታት እግዚኣብሔር ንኸዕርፈላ ንቀዳመይቲ ሰንበር ፈለየ ወይ ኣኽበረ ።ኣብ ሓዱሽ ኪዳን'ውን ሓዱሽ ፍጥረት ፈጢሩ ብትንሣኤ ከዕርፈላ ነታ ቀዳመይቲ መዓልቲ መረጸ ።ካብ ኩለን ኣንስቲ ድማ ኣዴኡ ንክትኾኖ ንድንግል ማርያም መረጸ ።እግዚኣብሔር ንዓለም ከድሕን እንከሎ ብሥጋ ተገሊጹ እዩ ።ብሥጋ ንክግለጽ ግና ሓንቲ ኣደ ተድልዮ ነበረት ።ምክንያቱ እቲ ናይ ተስፋ ጽሑፍ ንባዕሉ " ዘርኢኺ "ኢሉ ስለ ዝጅምር ።ስለዚ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ፦
" ብዙሓት ጽቡቅ ዝገበራ ኣንስቲ ኣለዋ ፡ንስኺ ግና ንኩለን ትበልጽየን ኢሉ ይንእዳ "(ምሳ,31፥29)ዝብል ተጻሒፉ እንረኽቦ ።ድንግል ማርያም'ውን ካብ ኩለን ኣዴታት ዝበለጸት ስለ ዝኾነት ተመርጸት ።ነዚ ክምስክር ከሎ መልኣኽ ገብርኤል ፦
" ቡርክት ኣንቲ እምኣንስት ወቡርኽ ፍሬ ከርሥኺ "እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ" (ሉቃ,1፥28)
ኣብዚ ከም እንዕዘቦ ድንግል ማርያም ካብ ኣንስቲ ዝተባረኸት እግዚኣብሔ ምሳኣ ዝኾነ ምልእቲ ጸጋ ምኳና እዩ ።ስለዚ እንበኣር እግዚኣብሔር ነዛ ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝበለጸት ወላዲቱ ንኽትከውን መረጸ ።ቤተ ክርስትያን ኩሉ ጊዜ ፦
"እስመ ሓረያ እግዚኣብሔር ለጽዮን ፡ወኣብደራ ከመ ትኹኖ ማሕደሮ ፡ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም " ማለት "እግዚዚኣብሔር ንጽዮን ሓረያ ፡መሕደሪቱ ክትከውን'ውን በኅጋ " ንዝብል ናይ ቅዱስ ዳዊት ጽሑፍ "እግዚኣብሔር ንከተማ ጽዮን ከም ዝሓረየ ንጊዜኡ ኢላ ፍጻሜኡ ግና እግዚኣብሔር ካብኣ ንኽወለደ ንድንግል ማርያም ከም ዝመረጸ " ተረድእ ።እግዚኣብሔር ንዓሰርተ ቃላት ዝጽሕፈሉ ጽላት ከም ዝመረጸ ኣሳራርሓኡ ከም ዝነገረን ።እግዚኣብሔር መሕደሪት ኣማናዊት ቃል ንኽትከውን'ውን ንድንግል ማርያም ሓረየ ።ነዚ'ውን ኣብ መልክዓ ማርያም ፦
"ማርያም ጽዮን ታቦተ ቃለ ጽድቅ መንፈቀ ዕሥራ " ማለት "ጽላት ንዓሰርተ ትእዛዛት ከም ዝጾረትን ጸግዒ ናይ እስራኤል ዘስጋ ከም ዝኾነት ማርያም ንስኺ ንኣማናዊ ቃል መሕደሪት ኮይንኺ ጸግዒ እስራኤል ዘነፍስ ኮንኪ " ማለት እዩ ።ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ገላትያ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ ፦
"ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ" (ገላ,4፥4-5)።
ነዚ ካብ ሰበይቲ ዝለኣኾ ወዱ ለኣኾ ይብለና ኣሎ ።እወ ናይ ኣምላኽ ድሕነት ዝህበሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ ንወዱ ካብ ሰበይቲ ንክውለድ ለኣኾ ።ቅድሚ ወዱ ምምጽኡ ግና ንመልኣኹ ናብ ሓንቲ ድንግል ለኣኾ ።እቲ መልኣኽ ድማ ነታ ድንግል "ካብ ኣንስቲ ዝተባረኸት ምኳናን ምልእቲ ጸጋ ምኳናን ነጊሩ " ወዲ ክትወልድ ምኳና "እቲ ወዲ'ውን ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ምኳኑ " ነገራ ።ነዚ ኣባ ሕርያቆስ ፦
"እግዚኣብሔር ኣብ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ጠመተ ፡ናብ ምብራቅ፡ምዕራብ ፡ሰሜን ፡ደቡብ ናብ ኩሉ ኣጽናፍ ጠመተ ኣስተንፈሰ ኣጫነወ ከማኺ ዝበለት ግና ኣይረኸበን ስለዚ ንወዱ ካባኺ ክውለድ ለኣኾ " ቅዳ,ማርያም ።
ደጊሙ 'ውን
"ወሶበ ርእየ ንጽሕናኪ ለሊሁ እግዚኣብሔር ኣብ ፈነወ መልኣኮ ብርሃናዌ ወይቤለኪ መንፈስ ቅዱስ ይመጽእ ላዕሌኺ ወኅይለ ልዑል ይጸልለኺ ,,,,,,,,,,,መጽኣ ቃል እንዘ ኢይትፈለጥ እምኅጽነ ኣቡሁ ወኅደረ ላዕሌኪ " ማለት "እግዚኣብሔር ኣቦ ንጽሕናኺ ምስ ረኣየ ንገብርኤል ዝበሃል ብርሃናዊ መልኣኹ ናባኺ ለኣኸ ንሱ ድማ መንፈስ ቅዱስ ክመጸኪ ፡ሓይሊ ልዑል'ውን ከጽልለኪ እዩ ,,,,,,,ቃል ድማ ካብ ሕቁፊ ኣቡኡ ከይተፈለየ ካባኺ ክውለድ እዩ " ይብል ።እንበኣር ካብዚ ኹሉ ከም እንርደኦ ነገር እንተደኣ ሃልዩ ።እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ንምድሓን ናብዚ ምድሪ እዚ ክመጽእ እንከሎ ሓንቲ ሰበይቲ ተድልዮ ኔራ ።ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ንምምራጽ ድማ ንኹለን ኣብ ዓለም ዘለዋ ኣንስቲ ተመልከተ ።እንተኮነ ካብ ኩለን ዝበለጸት ድንግል ድንግል ማርያም ኮይና ተረኽበት ።በዚ መሰረት ድማ እቲ ምሉእ ጸጋ ዝተባህለ ቃል ንክትወልዶ ከኣለት ።እንበኣር ንድንግል ማርያም ንምንታይ ኢና ነኽብራ ኢልና ንኣባ ሕርይስቆስ እንተሓቲትናዮ ፦
"ኦ ማርያም በእንተዝ ናፈቅረኪ ወናዓብየኪ ፡እስመ ወለድኪ ለነ መብልዓ ጽድቅ ዘበኣማን ወስቴ ህይወት ዘበኣማን " ማለት "ኦ ማርያም ኣማናዊ ብልዕን ፡መስተ ሓቅን ስለ ዝወለድክልና ነክብረክን ልዕል ልዕል ነብለክን " ክብል ይገልጸልና ።መን እዩ መልዕ ሓቅን መስተ ሓቅን ንዝብል ድማ ባዕሉ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ይምልሰልና ፦
"ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ" (ዮሓ,6፥55)
እንበኣር ንሕናስ ንክርስቶስ ስለ ዝወለደትልና ነፍቅራን ልዕል ኣቢልና ነኽብራን !!!!!!!!!!