26/04/2021
እንበለ ደዌ ወሕማም እንበለ ፃማ ወድካም አመ ከመ ዮም ያብጽሐነ ያብጽሕክሙ ለብርሃነ ትንሣኤሁ እግዚአብሔር በፍሰሐ ወበሰላም አሜን !
ኣብ ሰሙነ ሕማማት እንጥቀመሎም ቃላት ትርጉም፦
፩,, ኪርያላይሶን፥ ኪርያላይሶን ናይ ግሪክ ቃል ኮይኑ ኣናብብኡ “ኪርዬ ኤሌይሶን” እዩ። “ኪርያ” ማላት “እግዝእትነ” ማለት እንትኸውን “ኪርዬ” ማለት ኸዓ “እግዚኦ” ማለት እዩ። ክንበብ ከሎ ድማ “ኪርዬ ኤሌይሶን” ክበሃል ኣለዎ። ትርጉሙ ኸዓ ኦ እግዚኦ ማሓረና፣ ማለት እዩ።
፪ , ናይናን፥ ናይ ቅብጢ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ኸዓ “መሐረነ" መሓረና ማለት እዩ።
፫, እብኖዲ፥ ናይ ቅብጢ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ኸዓ ” ኣምላኽ” ማለት እዩ። “እብኖዲ ናይናን” ክብል ከሎ ኸዓ “ኦ ኣምላኽ መሓረና” ማለት እዩ።
፬, ታኦስ፥ ናይ ግሪክ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ከኣ “ጎይታ ፡ኣምላኽ” ማለት እዩ። ” ታኦስ ናይናን” ማለት ኸዓ “ኦ ጎይታ መሓረና” ማለት እዩ።
፭, ማስያስ ፥፦ቃሉ ናይ ዕብራይስጥ ኮይኑ ትርጉሙ ኸዓ ” መሲሕ” ማለት እዩ። ” ማስያስ ናይናን” ማለት ኸዓ ” ኦ መሲሕ መሓረና” ማለት እዩ።
፮, ትስቡጣ፦ “ዴስፖታ” ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝመጸ ኾይኑ ትርጉሙ ኸዓ ሓያል ገዛኢ ማለት እዩ።
፯, አምነስቲቲ ሙኪርያቱ አንቲ ፋሲልያሱ ፦ ቃሉ ናይ ቅብጥ እንትከውን "ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ መንግስትከ " እግዚኦ ኣብ መንግስትካ ተዘከ፧ረና ማለት እዩ።
፰, አምንስቲቲ መዓግያ አንቲ ፋሲያልሱ ፦ ቃሉ ቅብጢ እንትከውን "ተዘከረነ ኦ ቅዱስ በውስተ መንግስትከ " ትርጉሙ ኸዓ ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣብ መንግስትካ ተዘከረና ማለት እዩ።
፱, አምንስቲቲ ሙዳሱጣ አንቲ ፋሲልያሱ ፦ ቃሉ ቅብጥ እንትከውን "ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ መንግስትከ "
እግዚኦ መሓረና ኣብ ኩሉ መንግስትካ ማለት እዩ ።
ክርያላይሶን ክርያላይሶን
ኪርያላይሶን ክርያላይሶን
ክርያላይሶን ክርያላይሶን
ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ
ወስብሐት ለእግዚአብሔር