እዚ ኣዳራሽ ናይ መርዓ ዳስ ኣኮነን። እዚ ዳስ ህዝቢ ትግራይ ብሕማም ዓይኒ ይጥቃዕ ምህላዩ ዝተረድኡ ገበርቲ ሰናይን ሓካይም ማእኸል ሕክምና ዓይኒ ኩሓ ብምትሕብባር ዝተሳለጠ ሕክምና ሞራ ዓይኒ ዝተሰረሓሎም ወገናት ዘዕርፍሉን ድሕሪ መጥባሕቲ ኣስተምህሮን ካልኦት ስራሕቲ ዝስራሓሉ ቦታ እዩ። ዓይኒ ሕክምና ዘመናዋ መሳርሕታት ክዉሰኸሉ ኣለዎ።
Abi Adi
ድሕሪ ሰላም ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ምርግጋፅሓድግታት ትግራይ ናብ ረብሓ ትግራይ ንምልዋጥ ወዓል ሕደር ዘይብሃል ዕማም ትግራይ ክኸዉን ይግባእ።
ኣስተርእዮ ማርያም 2018ዓ/ም መቀለ
ሕርያ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራሕ እዩ። ክዕምፀካ እየ ንዝብሎ ከዓ ክከላኸል ግድን እዩ።
14/01/2026
🌏✈️የውጪ ሀገር የስራ እድል
🚀በሥራና ክህሎት ሚንስቴር በቀረበው የውጪ ሃገር ሥራ ስምሪት የሰለጠነ እና በከፊል የሰለጠነ የሰው ሃይል የዜጎችን መብት፣ ደህንነት እና ጥቅም አስጠብቆ በማሰማራት በተከናወኑ ተግባራት ትልቅ ስኬት መመዝገቡ ይታወቃል። አሁንም በዚሁ ህጋዊ የሥራ ስምሪት ወደተባበሩት አረብ ኤምሬትስ/UAE/ በተለያዩ የሞያ ዘርፎች የሰው ሃይል ይፈለጋል።
የስራ ዘርፍ ብዛት
📍BIK DRIVER 350
📍CLEANER 520
📍CONSTRUCTION LABORERS 1050
📍MEP WORKERS 600
📍GARDENERS 700
📍LIFEGUARDS 200
📍WAREHOUSE WORKERS(PICKERS) 700
📍FEMAIL CLEANINERS 200
📍MALE CLEANERS 200
📍CATERING WORKERS 200
📍DALIVERY RUNNER/CYCLIST 400
📍SECURITY GUARDS 200
📍FACTORY WORKERS 400
📍CIVIL CHARGEHANDS 200
📍CHARGEHAND 100
📍CARPENTERS 100
📍PAINTER 20
📍COOK 20
📍SELSMAN 100
📍CHECKER PICKERS 30
📍FISHERY STAFFS 20
📍BUCHERY STAFFS 20
📍SECURITY 40
📍POT WASHERS 40
📍LOADING AND UPLOADING STAFF 40
📍BRICK MASON 100
📍BRICKLAYER ASSISTANT 100
📍BUILDING CLEANERS 200
📍LIMOUSINE DRIVER 100
📍DIGGER 500
📍IRRIGATION PIPE FITTER 500
🏫ስለሆነም ይሆንን እድል ለትጠቀሙ የምትፈልጉ በመጀመሪያ lmis.gov.et ብላችሁ በመመዝገብ አቅራቢያችሁ ባለ የአገልግሎት መስጫ ማዕከል (ወረዳ ወይም ቀበሌ) በመሄድ የባዮሜትሪክስ መረጃ በመስጠት የሰራተኛነት መለያ ቁጥር /Labor ID/ ከያዛችሁ በዚህ https://forms.lmis.gov.et/uae-new/ በመግባት ትክክለኛ መረጃዎችን ሞልተው ማመልከት የምትችሉ መሆኑን እናሳውቃለን።
☎️አስተያየት እና ጥቆማዎን በ9138 ነፃ የሥልክ መስመር በመደወል እንዲያደርሱን እናሳስባለን።
30/12/2025
ቫካንሲ
ብደምቢ ሓሲብካ ክምለስ ዘለዎ ሓሳብ እዩ።
ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ ብቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዝተውሃበ መግለፂ
መሰል ምንባር መንጢልካ ዝፀንዕ ስልጣን ክሳብ መዓዝ? -
ቃንዛ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ
ብስንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መሰካሕከሒ ደማዊ ኩናት ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ድማ ብፍላይ ብዘይተፈተንዎ ዓይነት መከራ ዳርጋ የለን እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን ።
እቲ ኩናት ጠጠው ንክብል ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ ተባሂሉ እፎይታ ዝተገብረሉ ግዜ ዋላ እኳ እንተነበረ ንተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ግን እቲ ፀልማት ገና ኣይወግሐን።
ብዙሕ ሃፍትን ምችው ናብራን ዝለመዱ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ትሕቲ ፕላስቲክን ተበጣጢሱ ዝተወደአ ድንኳንን ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ምንባር ብቃላት ክግለፅ ዘይኽእል ኩለ-መዳይ ስቃይ እዩ።
ውዕሊ ፕሪቶርያን ዝተጠለመ ተስፋን!
ምፍራም ውዕሊ ፕሪቶርያ ንተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ዓብዪ ተስፋ ሂቡ ነይሩ። መሰረት እቲ ውዕሊ "ብዘይ ሕገ-መንግስታዊ መንገዲ ዝተተሓዙ ቦታታት ናብ ንቡር ክምለሱ" ዝብል ዓብዪ ነጥቢ ዝሓዘ ነይሩ።
ይኹን እምበር እቲ ውዕሊ ካብ ወረቐት ሓሊፉ ናብ ተግባር ክቕየር ኣይተራእየን። ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ እዮም ዝብሉ መፅበዓታት ምእታው ዓመታት ተቖፂሩ ኣሎ።
እቲ ዝገርም ድማ ብስንኪ ናብ ተግባር ዘይተሸረፈ መፅበዓ እቶም ተመዛበልቲ ኣብ መዕቆቢ ኮይኖም ረኣዪ ስኢኖም ብሕማምን ጥሜትን ብዝኸፍአ ድማ "ብኣዛብእ ይብልዑ ምህላዎም" እዩ።
ንፖለቲካዊ ሕንኮላ ተመዛበልቲ መን እዩ ተሓታቲ?
ብዘሎ ህልዊ ኩነታት ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ቦትኦም ተመሊሶም ዝሓሸ ሂወት ንከይመርሑ ዝገብሩ ዘለዉ ክልተ ቀንዲ ምኽንያታት ኣለዉ።
እቲ ቀዳማይን ዋናን ተበግሶ መንግስቲ ፌደራል ዳርጋ ዘየለ ምዃኑ እዩ። መንግስቲ ፌደራል ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዎ። ይኹን እምበር ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ብዝምልከት ፖለቲካዊ ውሳነ ንምሃብን ነቲ ውዕሊ ንምትግባርን ዘርእዮ ዘሎ ምጉታትን ጠቕሊሉ ክፍፀም ዘይምድላይን ነቲ ስቃይ ኣናዊሕዎ ይርከብ።
ብሓይሊ መሬት መንጢልካን ህዝቢ ኣባሪርካን ዝፀንዕ ስልጣን ከምዘየለ ታሪኽ ዝሕብሮ እኳ እንተኾነ መንግስቲ ፌደራል ግን እዚ ሓቂ ንምትግባር ዋላ ውዕሊ ዘለዎ እንተኾነ ክውን ንክኸውን ግን ድሌት ዘለዎ ኣይመስልን።
እቲ ካልኣይን ኣዝዩ ዘሕዝንን ኣብ መንጎ ፖለቲከኛታት ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምስምማዕ እዩ። ፖለቲከኛታትን ኤሊታትን ትግራይ ቅድሚ ንሕንሕን ውሽጣዊ ጎንፅን ድሕንነት እቲ ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝቢ ክሰርዑ ይግባእ ነይሩ። ህዝቢ ኣብ መዕቆቢ ብጥሜት እናረገፈ ፖለቲከኛታትን ኤሊታትን ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእን ስምምዕን ዘይምብፅሖምን ሓደ ድምፂ ኮይኖም ኣጀንድኦም ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ጉዳይ ተመዛበልቲ መዕለቢ ክረክብ ዘይምስርሖምን ንህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ተስፋ ዘቑርፅን ንፀላእቲ ዕድል ዝህብን ታሪኻዊ ጌጋ ኮይኑ ይምዝገብ ኣሎ።
መፍትሒኡ ደኣ እንታይ ይኹን?
ጉዳይ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ህፁፅ መፍትሒ እንተዘይረኺቡ ሳዕቤኑ ካብቲ ዘሎ ዝኸፍአ ክኸውን እዩ። ስለዚ፡-
• መንግስቲ ፌደራል ብመሰረት ሕገ-መንግስትን ውዕሊ ፕሪቶርያን ነቶም ብሓይሊ ዝተተሓዙ ቦታታት ናብ ንቡር ምምሕዳር ክምለሱ ቀጥታዊ ትእዛዝን ስጉምትን ክወስድ ብምግባር ጉዳይ ተመዛበልቲ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ደኣ እምበር ፖለቲካ መደራደሪ ክኸውን ከምዘይብሉ፣
• ውድባት ፖለቲካ፣ ፖለቲከኛታትን ኤሊታትን ትግራይ ዘለዉ ኣፈላላያት ብኢሂን ምሂን
ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ብዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ 22 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ።
ህይወት ሰብን እንስሳትን ንምድሓን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርቡ ፃውዒት ቀሪቡሎ።
ሓላፈት ቤት ፅሕፈት ኮሚዩኒኬሸን ወረዳ ቆላ ተምቤን ወ/ሮ ፍረወይኒ ኣሰፋ ከምዝገለፅኦ በቲ ሓደጋ ድርቂ ልዕሊ 19 ሽሕ ከፍቲ፣ ጠለበጊዕን ኣእዱግን ከምዝሞታን 200 ቆፎ ኣናሂብ ድማ በሪሶም እዮም።
ዓለምለኸ ማሕበር ልምዓት ተምቤን ከምዘፍለጦ፣ ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ካብ ዝርከባ 17 ጣብያታት ሓንቲ ዝኾነት ጣብያ ያቑር፣ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሐዚ ዝኸፍአ ድርቂ ኣጋጢሙ ከምዘሎን፣ ክሳብ 07 ሓምለ 2017 ዓ/ም ተፈጥራዊ ዝናብ ብዘይምዝናቡ ኣብታ ጣብያ ኣብ ልዕሊ 550 ሄክታር መሬት ሰለስተ ግዘ ዝተዘርአ ዝራእቲ ክቦቅል ከምዘይኸኣለ ኣፍሊጡ።
ኣብ ጣብያ ያቑርን ኣዋሰንቲ ጣብያታትን ኣጋጢሙ ብዘሎ ሓደጋ ድርቂ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን እንስሳን ዝበፅሕ ዘሎ ሞት እናተጋደደ ምዃኑን ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሓሎምን ዓለምለኸ ማሕበር ልምዓት ተምቤንን ምምሕዳር እቲ ወረዳን ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።
TMH - 24 ሓምለ 2017 ዓ/ም
Click here to claim your Sponsored Listing.
Location
Category
Telephone
Website
Address
03
Abi-Adi
4321