Eri Investing

Eri Investing

Share

My Mission:

Provide you the tools, resources and knowledge to make responsible investment decisions and build your wealth through the Stock Market.

05/05/2024

ብሩኽ ኣውደኣመት በዓል ትንሳኤ ይግበረልና!

ድሕሪ ዛቪድዮ ንኣሽቱ ነገራት ኣይክትንዕቕን ኢኻ ! Understand The Compound Effect | Transform Your Life Step by Step 04/02/2024

7 ቀለልቲ መምርሒታት ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ዓቢ ውጽኢት ከምጻልካ ዝኽእላ ካብ መጽሓፍ The Compound Effect

ንተወሳኺ ፍልጠት 👇
Stock Market Course In Tigrinya.
https://www.eriinvesting.com

https://yt.psee.ly/5rpy6s

ድሕሪ ዛቪድዮ ንኣሽቱ ነገራት ኣይክትንዕቕን ኢኻ ! Understand The Compound Effect | Transform Your Life Step by Step 7 ቀለልቲ መምርሒታት ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ዓቢ ውጽኢት ከምጻልካ ዝኽእላ ካብ መጽሓፍ The Compound Effect ንተወሳኺ ፍልጠት Stock Market Course In Tigrinya. https:

03/01/2024

ንኣሽቱን ቀለልትን ነገራት ኣይትንዓቕ!

ንተወሳኺ ፍልጠት
Www.eriinvesting.com

02/29/2024

እቲ ምርጫ ኣብ ኢድካ እዩ!!!

ንተወሳኺ ፍልጠት
Www.eriinvesting.com

ብኸመይ Credit Score ተዕብዮ? #eritrea #maekele #eriinvesting 02/27/2024

ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ሓደ ካብቲ ንወዲ ሰብ ኣብ ገንዘብ ዝቕጻጸርሉ ኣገባብ Credit Score እዩ። ጽቡቕ Credit Score ዘለዎ ሰብ ብቐሊልን ብውሑድ ወልድን ክልቓሕ ይኽእል። ኣብዛ ቪድዮ ድማ ኩሉ ብዛዕባ Credit Score ክትፈልጦ ዘለካ ተጠቒሱ ኣሎ።

ንተወሳኺ ፍልጠት 👇
Stock Market Course In Tigrinya.
https://www.eriinvesting.com

https://yt.psee.ly/5n23dt

ብኸመይ Credit Score ተዕብዮ? #eritrea #maekele #eriinvesting ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ሓደ ካብቲ ንወዲ ሰብ ኣብ ገንዘብ ዝቕጻጸርሉ ኣገባብ Credit Score እዩ። ጽቡቕ Credit Score ዘለዎ ሰብ ብቐሊልን ብውሑድ ወልድን ክልቓሕ ይኽእል። ኣብዛ ቪድዮ ድማ ኩሉ ብ....

02/20/2024

ፋይናንሳዊ ትምህርቲ!

እስከ ብዛዕባ ፋይናንስ ነዋግዕ!

ስለምንታይ 99% ጸሓፍትን ዩቱበራትን ዓድና ብዛዕባ ፋይናንስ ( ገንዘብ) ብዙሕ ዘይጽሕፉን ዘይዛረቡን ኢልኩም ሓቲትኩም ዶ ትፈልጡ? እዛ ሕቶ ንኹላትኩም ዕዮ ገዛ እያ። መቸም ገንዘብ ስለዘየገድስ ኣይትብሉንን ትኾኑ ከይጉህየኩም ክክ

ኣነ ብወገነይ ኣብ ኩሉ ገዛ ክልተ ዓበይቲ ኣርእስቲ ክዝረበለን ኣለወን ዝብልን ኣለዋ። ንሳተን ድማ እዘን ዝስዕባ እየን።

1ይ ብዛዕባ መንፈሳዊ ህይወት ( ኣምላኽ)
2ቲ ብዛዕባ ገንዘብ እየን። ንስኹም?

መቸም ዝበዝሐ ሰብ ዳርጋ ዝበዝሐ ግዚኡ ኣብ ገንዘብ ምእካብን ምምጻእን እዩ ዘሕልፎ ተበልና ምግናን ኣይኮንን፡
ከምኡ ትኾይኑ ስለምንታይ ደኣ ብዛዕባ ገንዘብ ክዛረብ ኣይኮነን ብዛዕባ ገንዘብ ዝዛረብ ሰባት እንተረኣየ ወይ እንተሰምዐ ቀጨምጨው ዝብሎ።
ዝበዝሐ ክፋል ህዝብና ፎብያ ናይ ገንዘብ ዘለዎ ኮይኑዩ ዝስምዓካ። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ሎሚ ገለ ክፋሉ ኣብዛ ጽሑፍ ክምልሶ ክፍትን እየ።

ቀድሚና እዚ ሕጂ ዘለና ኣቃውማ ወይ ኣናባብራ ካበይ ከምዝመጸ ክንፈልጦ ይግባእ። ትዝክሩ ዶ መጀመርታ ተለፎንኩም ምስ ዓደግኩማ ዳርጋ ናጻ እያ ትመጽእ ድሕሩኡ ዘዘድልነያ ኣፕ ንጽዕና ( ነውርደላ) ንኣብነት ቲክቶክ፡ ኢሞ፡ ፈይስቡክ መቀናበሪ ስእሊ ..... ወዘተ ንጽዕና ድሕሪኡ ኣብ ተሌፎና ግዜ ከነሕልፍ ደስ ይብለና።

1፡ ደቂ ሰባት ድማ መጀምርታ ናጻ ኮይና ንፍጠር ጸኒሕና ስድራቤትና ብዝደለይዎ ወይ ዝኣምንሉ ልምድታት ኮነ ኣነባብራ ይጽዑንና። ወዲ ሓረስታይ ተኾንካ ኣቦኻ ብዛዕባ ማሕረስን ናውቲ ማሕረስን የላምደካን የውርሰካን። ወለድኻ ዝተመሃሩ ተኾንካ ድማ ዳርጋ ኩሉ ህይወትካ ምስ ትምህርቲ ክተሓሓዝን ድረጃ ትምህርትኻ ዝለዓለ ክኸውን ይደልዩኻን ይሰብኩኻን።

2፡ ደቂ 6 ወይ 7 ምስ ኣኸልና ድማ ወለዲ ናብ ትምህርቲ ይሰዱና። ስርዓተ-ትምህርቲ ድማ በቲ ዝደልዮ ገይሩ ፕሮግራም ይገብረና። ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ኣብ ክፍሊ ምስ ትተርፍ ክሳብ ናይ ዓለም ደንቆሮ ኮንካ ዝስመዓካ ይገብረካ።

3፡ ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ማሕበረሰብ በቲ ዝደልዮን ዝኣምነሉ
ኣነባብራን ኣካይዳን ንኽትከይድ ይግድደካ። ካብቲ ማሕበረሰብ ዝተፈለየ ሓሳብ ምስ ዝህልወካ ብዙሕ ግዜ ተነጽሎ ስለዝገጥመካ ዳርጋ ዝበዝሐ ሰብ ኣብቲ መጻወድያ ኢዱ'ዩ ዝህብ።

ድሕሪ ግዜ ዓቅሚ ኣዳም ምስ ኣኸልና ካብ ስድራቤትና፡ ስርዓተ-ትምህርቲን ማሕበረሰብን ንፈላ። ምስ ሓቀኛ ህይወት ድማ ፊት ንፊት ንጋጠም። ኣብዚ ግጥም ሒዝናዮ ንመጽእ ኣጽዋር ዳርጋ 90% ካብዞም ኣቀዲምና ዝገለጽናዮም ኣካላት ዘወሃለልናዮ ትምህርቲ፡ተመኩሮ፡ ፍልስፍና፡ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ሒዝና ኢና ንጋጠም።

ሕጂ ቁሩብ ንድሕሪት ክመልሰኩም መብዛሕቲም ትዝክሩ'ዶ ስድራ-ቤትን ማሕበረሰብን ኣብ ኤረትራ ህጻናት ኣብዝነበርናሉ ብዛዕባ ገንዘብን ሃብትን እንታይ ይብሉና ነይሮም ?
ገለ ካብቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ኣበሃህላን ምስላታትን ብዛዕባ ገንዘብን ሃብትን ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ገንዘብ ሱር ኩሉ ሓጥያት እዩ፡
ግራት ፈረቓ እዝጊ ዘይመረቃ፡
ድኽነት ጭውነት እዩ
ሃብታም ካብ ዝጸድቕ ገመል..............
ኣብ ድኽነት ፍቅሪ ከምዘሎ ኣብ ሃብቲ ድማ ትዕቢት፡ ጭንቀትን ዘይርጉእነትን ከም ዘሎ......
ድኽናት እንታይ በሃላይ ምስ ፍቕሪ ቁራስ እንጀራ .....ወዘተ

እቲ ብህሎታትን ፍልስፍናን ኣብዚ ገሊጽካ ኣይውዳእን እዩ።
እንተኾነ መብዛሕቲኡ እቲ ብህሎታት ንሃብቲ ዘቃናጽብ ንድኽነት ዘቃናጁ እዩ። እዚ ኹሉ ዘምጻእክዎ ነዘ ሕጂ ዘለና ወይ ወኒናዮ ዘለና ኣተሓሳስባን ኣቃውማ ብብዙሕ መዳያቲ ከምዝጸልዎ ከረድእ ስለዝደለኹ እየ።

ሕቶ ንኹላትኩም እዚ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ኣረኣእያ ኣብ ሃብትን ድኽነት ኣብዚ ካፒታሊዝም ( ርእሰ-ማልነት)
ንነብረለን ዘለና ሃገራት ይሰርሕ ዶ ትብሉ?

ብናተይ መጽናዕትናን ርዲኢትን ኣይኮነንዶ ኣብዚ ግዜ ኣብቲ ቀድም ግዜ ወን ተኾነ ኣይሰርሕ ኣየስርሕ።

ሕጂ 2 ምርጫ ኣለና። ሓደ ስድራቤትና ብዛዕባ ገንዘብ ኣይምሃሩናን እንዳ በልና ከነማርር ወይ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ክንገብር።

1፡ ኩሉ ሰብ ክሳዕ እዚ ሰዓት ሒዝዎ ዝጸነሐን ዘሎን ኣረኣእያ ኣብ ገንዘብን ሃብትን ኤክስፓይር ከም ዝኾነ ክግንዘብ ይግባእ። ስለዚ ልክዕ ከምቲ ሓድሽ ሳሎን ኣብ ንገዝኣሉ ነቲ ዝኣረገ ሳሎን ንጉሕፎ ዝነብረና ሕማቕ ኣረኣእያ ኣብ ገንዘብን ሃብትን ክንጉሕፎ ኣለና።

2፡ ሓድሽ ትምህርቲ ናይ ፈይናንስ ክመሃርን ክንጅምር።
እዚ'ኸኣ ሓጸርቲ ስልጠናታት ፋይናንስ ምውሳድ፡
መጽሓፍቲ ምንባብን ኣማኻሪ ናይ ገንዘብ ብምውካስን ምሕታትን ሓድሽ ፍልጠት ከነኻዕብት ይላቦ።

3፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ከም በዓል ዩቱብ ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ትምህርቲ ዘቕርቡ ዩቱቤራት ክትከታተል ጀምር።

4፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ጹሕፈይ ዝበልክዎ ኣብ ነፍሲወከፍ ገዛ፡ ምስ ስድራቤትካ፡ መሓዙትካን መቕርብካን ብዛዕባ ገንዘብ ክትካታዕን እሂን ምሂም ምባል ክትጅመር።

ከምዚ ብምግባር ፈይናንሳዊ ንቕሓትና ( awareness)
ከነማዕብል ንኽእል ኢና። ኣብ መወዳእታ ሮማ ብሓንቲ መዓልቲ ከምዘይተሃነጸት ዘክር። ንሕና ድማ ከም ማሕበረሰብ
ፋይናንሳዊ ንቕሓትና ብሓንሳብ ከም ዘይቅየር ክንፈልጥ ይግባእ። እቲ ዝበለጸ ግዜ ገረብ ክትተክል ቅድሚ 10 ዓመት ነይሩ እቲ ኻልኣይ ዝበለጸ ግዜ ድማ ሕጂ እዩ።
ስለዚ ንምንቃሕ ሎሚ ንበገስ።

እዛ ጽሕፍቲ ተፈቲኹማ ናብ ካልኦት ሰባት ሸር ግበርዋ። ንምክትታልኩም ኣመስግን።

ይቕጽል...............

Makele Haile
Executive Director and
Financial Educator

02/15/2024

ገለ ካብ ቻርሊ ቻፕሊን ዝበሎ ድንቂ ብህሎታት፡

1፡ ኩሉ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ንዘልኣለም ዝነብር ኣይኮነን። ወላ ጸገማትና ተኾኑውን ግዛውያን እዮም። ስለዚ ብህሉው ኩነታትካ ንመጻኢኻ ኣይትዓይሮ።

2፡ ማይ እንዳሃረመ ብእግረይ ክዛወር ደስ'ዩ ዝብለኒ ምኽንያቱ ክበኪ ከለኹ ዝርእየነ ሰብ ስለ ዘየለ።
ስለዚ ንገዛእ ርእስኻ ናይ ኣስተንትኖ ግዜ ሃባ።

3፡ ኣብ ህይወትካ እታ ዝኸፍአት መዓልቲ እታ ከይሰሓቕካ እትሓልፋ መዓልቲ እያ። ስለዚ ኣበይ ከመይን ኣለኻ ብዘየገድስ ምስሓቕ ኣይተቃርጽ። ፍሽኽ በል ኣታ ሰብ😄

4፡ ኣብ ዓለም እቶም ዝበለጹ 6 ሓካይም እዞም ዝስዕቡ እዮም። ጸሓይ፡ ዕረፍቲ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓ፡ ጥዕና ዝህብ መግቢ ምምጋብ፡ ርእሰ-ምኽባርን ብሉጻት መሓዙትን እዮም።

ሰናይ መዓልቲ ይግበረልኩ።

Makele Haile

Eriinvesting.com

Eri Investing Academy 02/10/2024

ካብዘን ኣርባዕተ ነገራት ምግባር ተቖጠብ!

1፡ ንዝረኸብካዮ ሰብ ብዛዕባ ሕልምኻን ራኢኻን ምንጋር ተጠንቀቕ። ምኽንያቱ ኩሉ ሰብ ዝርድኣካ ኮይኑ ኣይሰምዓካ። ዓሳ'ኮ ኣፊ ምስከፈተ ናብ መጻወድያ ከም ዝኣቱ ዘክር። ንስኻ/ኺ ውን ኣፍካ ምስ ከፈትካ ኢኻ ኣብ መጻወድያ ካልኦት ትኣቱ። ስለዚ ኣበይን ምስመንን ኣፍካ ትኸፍት ኣጥዒኻ ፍለጥ።

2፡ ኣብ ናይኩሎም ሰባት ጸገም ክትፈትሕ ኣይትእቶ። ምኽንያቱ ናይ ካልኦት ክትፈትኽ ናትካ ጸገማት ከይትርስዕ እሞ ጸገምካ ክንዲ እንባ ምስኮነ ሰባት ክዋረዘይሉካ ምስጀመሩ ከይትቑጣዕ።

3፡ ገንዘብ ኣለቓሕን ተለቃሕን ምኻን ኣይትፍቶ። ምኽንያቱ ድሕሪ ምልቃሕ ዘሎ ሳዕቤን ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሓካ ፍቕሪ ሰባት ከኽስረካ ስለዝኽእል።

4፡ ልዕሊ ኣታዊኻ ብፍጹም ኣይትሓሽሽ ( ኣይተውጽእ) ከምዚ ምስ ዘይገበርካ ኣብ ድኽነት ክትነብር ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ እዩ።

ዝተረፈ መልእዎ!

ብሩኽ መዓልቲ ይግበረልኩም።
Makele Haile

Eri Investing Academy Online Investment Academy in Tigrinya

02/03/2024

ሕጊ ቁጽሪ 1,
ዝዘራእካዮ ኢኻ ትዓጽድ!

ንተወሳኺ ፍልጠት
https://eriinvesting.com/

01/19/2024

ጽባሕ ዓርቢ ፋይናኒሳዊ ውጥን ን 2024 ዝብል ዛዕባ ኣብ FB and YT live ክህልወና ኢዩ። ኩላትኩም ዕዱማት ኢኹም።
ሰዓት 11፡00 am Vancouver time
2:00pm Toronto time
8:00pm Berlin Time

ብሰላም ምጹ!

www.eriinvesting.com

Want your school to be the top-listed School/college in Vancouver?

Click here to claim your Sponsored Listing.

Location

Category

Telephone

Address


Vancouver, BC