02/17/2026
ጾም ካብ ሃይማኖታዊ ኣኽብሮት ንላዕሊ፡ ኣብ ኣካላትና ዘደንቁ ጥዕናዊ ረብሓታት ከም ዘለዎ መጽናዕትታት የረጋግጹ።
9 ቀንዲ ረብሓታት ጾም ንጥዕናና፤
1. ውጽኢታዊ ዝዀነ ምጕዳል ክብደት ሰብነት
ኣብ እዋን ጾም ኣካላትና ነቲ ዝተዓቀበ ስብሒ ናብ ጸዓት ብምቕያር የቃጽሎ። እዚ ድማ ብዘይ ተወሳኺ ጻዕሪ ክብደት ሰብነት ንምንካይ ይሕግዝ።
2. ናይ ኣካላትና ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምሕያል
ጾም ኣካላትና ንጻዕዱ ዋህዮታት ደም ብሓደስቲ ዋህዮታት ደም ብምትካእ ሕማማት ናይ ምቅላስ ዓቕሙ ንኽዓቢ ከም ዋልታ ኰይኑ የገልግሎ።
3. ምምሕያሽ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ
ከብድና ንውሑዳት ሰዓታት ከዕርፍ ብምፍቃድ፡ እቲ ድሕሪ ጾም እንበልዖ ምግቢ ብግቡእ ክሓቅቕን ናብ ጸዓት ክቕየርን ይሕግዝ።
4. ዲቶክስ (detox) (ምልጋስ መርዛማት ባእታታት)
ምስ ምግቢ ናብ ኣካላትና ዝኣትዉ ሓደገኛታት መርዛማት ብመልክዕ ስብሒ ይኽዘኑ። ኣብ እዋን ጾም ጸላም ከብዲ ነዞም መርዛማት ነገራት ብምጽራይ፡ ንዅሊትን ካልኦት ክፍሊ ኣካላትን ተጽርዮም።
5. ምምሕያሽ ብቕዓት ኣእምሮ
ጾም ነቲ ኒውሮትራፊኪንግ ፋክተር ዝበሃል ሆርሞን ብምውሳኽ ንጥዕና ዋህዮታት ሓንጐል ይሕሉ። ከም ውጽኢቱ ድማ ንሕማማት ቅዛነት፣ ፓርኪንሰንን ኣልዛይመርን ይከላኸል።
6. ንጥዕናን ጽባቐን ቆርበት
መርዛማት ነገራት ካብ ኣካላትና ስለ ዝእለዩ፡ ቆርበትና ይሕደስን ፈጸጋ ንኸይፍጠር ይሕግዝን።
7. መጠን ሽኮር ምቁጽጻር
ኣብ ደም ዘሎ መጠን ሽኮር ብምቝጽጻር፡ ብሰንኪ ሕማም ሽኮር ዝመጽእ ድኻም ኵሊት ይከላኸል።
8. ምክልኻል መንሽሮ
ጾም ዕብየት ሕበጥ ወይ ሕበጥ ብምዕጋት፡ መንሽሮ ኣብ ኣካላትና ከይዝርጋሕ ዓቢ ተራ ይጻወት።
9. ምሕላው ጥዕና ልቢ
ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ብምክልኻል፡ ምስ ልቢ ዝተኣሳሰሩ ናይ ጥዕና ጸገማት ከጋጥመና ዝኽእል ተኽእሎ የጕድል።
ብዶክተር ስዒድ ሙዳስር
ምንጪ
ጕርሻ
🌴🌴🌴