24/06/2025
ካብ ሰጉሕ ሰጉሕ
👉👉👉እዋናዊ ሓበሬታ ከም ዝፍለጥ 2ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ሰጉሕ ካብ ዝስራሕ ዓመታት ኣቁፃሩ እዩ። ዝገርም ነገር ግን ግልጋሎት ኣይጀመረን ። ሐዚ ግን ተበፂሑ ዘሎ ምዕባለታትን ዕንቅፋትን ኩሉ ወዲ ዓዲ ክፈልጦ ይግባኣ
በዕለት23/06/2017ዓ/ም ቤት ምክሪ ጣብያ ሰጉሕ ዝወሰኖ ውሳነ ኣሎ። እቲ ውሳነ ድማ ከምዚ ይብል ኣብ መሰልጠኛ ሓረስቶት (ሰሪሕካ መርአይ ) ዘሎ ካብ4ክሳብ5ሄክታር ዝግመት መሬት ሰለ ዘሎ ፀገም ሕ/ሰብ ብምርኣይ ቅያር ነቲ ቤት ትቲ ህንፃ ዓሪፍዎ ዘሎ ምሬት ከባቢ 3ሄክታር ክዋሃቦ ወሲኑ እዩ ።እዚ ወሲኑ ንመሬት ምምሕዳር ጣብያ ሰጉሕ ብፅሑፍ ገይሩ ኣረኪብዎ እዩ ። መሬት ምምሕዳር ጣብያ ድማ ንሕና ክንህብ ድልዋት ኢና ግን ወረዳ መሬት ምምሕዳር ይፍቀደልና ኢሎም ።ጠራዕቲ ተወከሉ ናብ ወረዳ ኣብ ዝከድሉ እዋን ማሕንቆ ከም ዝገጠሞም ካብቶም ጠራዕቲ ኣካላት ዝረከብክዎ ሓበሬታ ኣሎ ።ንሱ ድማ ካብ ናይ ሕርሻ ቤት ፅሕፈት ወረዳ እዩ። እቲ ምክንያት ከምዚ ይብል ናይ ትካልና ሕርሻ እዩ ።ኣይኮንን ዝብል እዩ ተመሊስሎም🙄🙄🙄።ቀፂለ ነቶም ዝተመለሰሎም ሰባት ከይደ ሓቲተዮም ዝረከብክዎ ሓበሬታ ድማ ከምዚ ይብሉ እዚ መሬት እዚ ጥቅሙ ኣብ ምንታይ ከም ዝውዕል ኣፍልጦ የብልናን ።ዋላ ተዝህልዎ እውን እቲ ቤት ት/ቲ ዝህቦ ጥቅሚ እዩ ዝበልፅ ደቅና ብመንገድን ገዛ ክራይን ይሳቀዩ ኣለዎ ብተወሳኪ እውን ንመሰልጠኒ ሓረስቶት 5 ሄክታር መን ከም ዝሃቦም ኣይንፈልጥን። እዚ መሬት እዚ መሬት ህዝብን መንግስትን ምዃኑ ኢና ንፈልጥ ነይርና ሐዚ ግን ፍርቁ መሬት ንህዝቢ ግልጋሎት ዝውዕል ትምርቲቤት ንክከውን ቤት ምክሪ ኣብ ዝወሰነሉ ሳዓት ብዝገርም ምክንያት ገጠር ልምዓት ወረዳ ከተኣጋጉለና ኪኢሉ ኢሎም ተዛሪቦም ኣለው ።ብሱሩ እውን 5 ሄክታር ሙሉእ ንመሰልጠኛ ሓረስቶት መን ከምዝሃቦም ኣይንፈልጥ መን ከም ዝጥቀመሉ ኣይንፈልጥ ይብሉ ።ስለዚ ህዝቢ ይጉላእላእ ከም ዘሎ ተገንዚበ ኣለኩ እዚ ድማ ብቁልጡፍ ፍታሕ ዘድልዮ ።ብሱሩ እውን ክፃረ ዝግቦኦ እዩ☝️☝️☝️መጀመርያ ዝምልከተኩም ኣካላት ኣብ ዚ ጉሩፕ ተሊእኩም ሓሳብ ኣካፍሉናZebenom Gerezgiher Zebenomebenom ብዝበለፀ ግን ኣብቲ ቦታ ሰለ ዘለኩ ክሳብ መጨረሻ ክካታተል እየ።ተወሳኪ ሓበሬታ እውን ከስዕብ እየ