08/10/2022
ስኽፍታ ❗
ኣብ ከተማታት ትግራይ ኣብመንጎ ውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ክፍተት ንምፍጣር ዝፅዕሩ ስሩዓት ከምዘለዉ ብውልቀይ ይኣምን። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከተማ መቐለ ዘለዉ መብዛሕትኦም ቅዩዳት ምሒር ደገፍቲ ህወሓት ከምዝኾኑ ብዓይነይ ዝተዓዘብኩዎ ሓቂ እዩ። ባህ ዘይብልን ሽርሓዊ ኣሰራርሓን ከምዘሎ ከይተዛረብኩ ምሕላፍ ንሕልናይ ምኽሓድ ይኸውን። ኣሰራርሓ ኣብያተ ማእሰርቲ ፥ ኣወሃህባ ፍትሕን ርትዕን ፥ ኣተሓሕዛ ቅዩዳት ትግራይ ካብ ሕቶ ምልክት ሓሊፉ ናብ ዝኸፍኧ ሕመቕ ዝጠሓለ ይመስል። ብሽም ሮንዲን ሓለዋ ከባቢን ፍቖዶ ጎዳናን ኣንጎሎን ዝሕልዉ መኽበርቲ ፀጥታ ኣተሓታትታኦም ኮነ ኣተሓሕዛኦም ንክብሪታት ህዝቢ ትግራይ ዝፃባእ ፥ ሓይልን በትርን ዝበዝሖ ፥ ምግፋዕን ዓፅሚ ዝሰብር ቃላት ምትፋእን ዝበዝሖም ኮይኖም ኣንጉዕኻ ዘምክኹ ተግባራት ክፍፀሙ ትዕዘብ። ንሕብረተሰብ ኣብክንዲ ምግልጋል ንዜጋታት ምግፋዕን ክብሪታቱ ምትንካፍን ግቡእ ኣይኮነን። ንህወሓት ኮነ ንመንግስቲ ትግራይ ፀላእቲ ምብዛሕ እንታይ ረብሓ ከምዘለዎ ኣይርደኣኒን። ፀጥታን ምምሕዳርን ኣሰራርሕኡን ውሽጡን ክፍትሽ ኣለዎ። ኣብያተ ማእሰርቲ ትግራይ መፍደዪ ቂም ገለ ሰባትን መፈልፈሊ ፅላኣት መንግስትን ውድብን ካብምዃን ክናገፋ ይግባእ። እዚ ነገር ብቕልጡፍ ተፈቲሹ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ ትግራይ ካልኧይቲ ኤርትራ ትኸውን ኣላ ማለት እዩ። እዚ ውልቃዊ ትዕዝብተይ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ዝኾነ ዝምልከቶ ኣካል ከዘራርበኒን ዝተዓዘብኩዎ ሓቂ ከረድኦን ድልዊ እየ።
21/08/2022
04/08/2022
26/07/2022
25/07/2022