NationalEr Interest

NationalEr Interest

Share

Centre for Policy and Strategic Studies | Asmara, Eritrea.

20/05/2026

May 24 🇪🇷 •|•• ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ካርኒቫል ጽንብል በዓል ናጽነት ኤርትራ 2026፡

ርሑስ በዓል ቅንያት በዓል ናጽነት !!!
NationalEr Interest

20/05/2026

Arsenal FC ድሕሪ 22 ዓመት፡ ተዓዋቲት ፕሪመር-ሊግ እንግሊዝ ክትከዉን በቂዓ፡ በዚ ምኽኒያት ብዙሓት ደቅ ዓድና ካብ ጸቕጢ ደምን ሽኮርያን ክድሕኑ እዮም --- እሞ፡ እንቋዕ ሓጎሰና !!! Lol

ኣርሰናል፡ ንተኸተተልቲ ነዊሕ ዓመታት፡ ብዘይ ገዚፍ ሸመተ ተጻወቲ፡ --- ስና ነኺሳ ተስፋ ከይቆረጸት፡ ኣብ'ዚ ክትበጽሕ ምኽኣላ፡ ንኩሉ ወገን ሓደ ጽቡቕ ኣብነት'ዩ። ፍሉይነት ደገፍታ ዉን ልዕሊ ኩሉ፡ እሙናትን ፈቃራትን ብምኳኖም --- ካብ'ቲ ዝልለይሉ ሓፈሻዊ ባህርያት እዪ።

እንቋዕ ሓጎሰኩም !!!
NationalEr Interest

Photos from NationalEr Interest's post 19/05/2026

May 24 🇪🇷 •|•• ስእላዊ መግለጺ ካርኒቫል ጽንብል በዓል ናጽነት ኤርትራ 2026፡

ሎሚ 19 ግንቦት 2026፡ ዓመት መጸ ኣብ ጎደናታት ሰማእታትን ሓርነትን --- ኣስመራ ዝካየድ ካርኒቫል ኤርትራ፡ ብዝሰፍሐን ዝማዕረገን መንገዲ ተኣንጊዱ ዉዒሉ ኣሎ።

ርሑስ ቅንያት በዓል ናጽነት !!!

📷 MOI Eritrea / German Embassy
NationalEr Interest

19/05/2026

AFCON 2027 🇪🇷 |• መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ --- ሃገራዊት ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ኤርትራ፡ ኣብ ምድብ "D" ምስ ኣኣንጋዲት ኬንያ፡ ከም'ኡ ዉን ደቡብ ኣፍሪቃን ጊኒን በጺሕዋ ይርከብ፡

ኬንያ ከም ኣኣንጋዲት መጠን ብቀጥታ ስለ'ትሓልፍ ድማ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንደቡብ ኣፍሪቃን ጊኒን ረቲዓ ክትሓልፍ ክትግደድ እያ። እቲ ን21 መስከረም 2026 ዝፍልም ግጥም ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ቀሊል ኣይክኸዉንን እዩ። ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ ማዕረ ወጺኣ፡ ኣብ ርእሲ ጊኒ ብዝሒ ጎላት ዝተሰነየ ዓወት ምስ ተመዝግብ ዉን፡ ብነጥቢ ናይ ምሕላፍ ተኽእሎ ኣለዋ።

ምኽኒያቱ፡ ካብ 12 ጉጅለ፡ እተን ቀዳማይን ካልኣይን ኮይነን ብቀጥታ ዝሓልፋ --- 24 ጋንታታት ክኾና ከለዋ፡ ተወሰኽቲ 4 ድማ ብዝያዳ ዘመዝገብኦ ጸብለልታ ነጥቢ፡ ጎል፡ ተመምየን ክሓልፋ እየን። ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027፡ ን28 ሃገራዉያን ጋንታታት (እንተላይ ኣኣንገድቲ ዝኮና ኬንያ፡ ታንዛንያ፡ ዩጋንዳ) ከሳትፍ እዩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ኣምጺኣቶ ብዘላ ቁመናን ብቕዓትን ግን --- ኣብ ርእሲ እተን ዝሓየላ ዝበሃላ ሃገራዉያን ጋንታታት ኣፍሪቃ ከይተረፈት ጸብለል ክትብል ትኽእል እታ።

እቲ ጉዕዞ ቀጻሊ እዩ !!! ዓወት ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ !!!

NationalEr Interest

18/05/2026

EPLF History 🇪🇷 •|•• ሓደ መዓልቲ ንሃገራት ጎረባብትና ክንህዉኽ ኢልና ተበጊስና ኣይንፈልጥን ኢና። እንተላይ እቶም "ብሕጂ ዉን ኣይትቅሰኑ፡ ከነትዕበኩም ኢና!" ኢሎም ንሰለስተ ዑቛዳት ዝፈተኑና ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጲያ።

እንተኮነ፡ ዘይከም ትምኒቶም --- ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሓዲሽ ፈተንኦም፡ ካብ'ቲ ሕሉፍ --- ዘ'ዝኸፍአ ዉጽኢት እንዳ'ሃቦም፡ እንሆ ሎሚ ኢትዮጲያ ኣብ ክትምለሰሉ ዘይትኽእል ሓዲድ ምብትታን በጺሓ ትርከብ።

ብከመይን ካበይ ናበይን ኢና ዘይፈለጥና እንበር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ፡ 2-3 ሓደስቲ ሃገራት ክንርኢ ኢና።

NationalEr Interest

17/05/2026

E-Gen Tech 🇪🇷 •|•• This is the NEW Eritrean TECH Generation!!!

ሓዲሽ ወለዶ ቴክኖሎጂ ኤርትራዊ ብምንታይ ይግለጽ !!! እዚ ሓዲሽ ወለዶ፡ ኣብ ዕጥቂ ሓይልታት ምክልኻል ሓዲሽ ኣሃዱ ኣቚሙ ይርከብ።

NationalEr Interest

17/05/2026

Athletics 🇪🇷 |• ኣብ ጋና ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓበይቲ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪቃ ብሉጽ ዓወት ዘመዝገበ ኦሊምፒያን ዳዊት ሰዓረ ዮሃና፣

ኦሎምፒያን ኣትሌት ዳዊት ሳዕረ፡ ​ኣብ ጋና ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓበይቲ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪቃ 2026፡ ብሉጽ ዓወት ብምምዝጋብ ደሚቑ። እዚ ብልጹ ዓወት --- ኣብ'ዛ ክብርቲ ወርሓት ናጽነትና ብምምዝጋቡ፡ ሃገራዊት ባንዴራና ኣብ'ቲ ዝለዓለ መድረኽ (Podum) ክትስቀል ኣክኢሉ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ንኤርትራ ዓቢ ናይ ሓበን ወቅቲ እዩ።

​BRAVO ዳዊት! ንምልእቲ ሃገርን ህዝብን ኣሕቢንካያ 🇪🇷 🥇 ✨

Well done, Dawit! You’ve made the entire nation proud. 🇪🇷 🥇 ✨

NationalEr Interest

17/05/2026

General 🇪🇷 |• ናብ ስራሕ ተመሊሱ ኣሎ !!! WELCOME BACK ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም !!!

ርሑስ ቅንያት በዓል ናጽነት ይግበረልና !!!
ሃገርና፡ ተስፋ ብተስፋ'ያ !!!

NationalEr Interest

16/05/2026

ገዲም ስነ-ጥበባዊ፡ ካድር፡ ሙዚቀኛ ሃይለ ገብሩ፡ ንስለ ረዚን ኣበርክቶኻ፡ ንሕና ዉን ነመስግን !!! ተቀማጦ ሕ/መ/ኣመሪካን ማሕበረኮሙን ዝገበረልካ ጽንብል ምስጋና ከኣ፡ ይንእሰካ እንበር ፈጺሙ ኣይዓብየካን !!!

ንስለ ክብሪ ሃገሩን ህዝቡን ኩሉ ዝወፈረን ልሳን ዝኮነን ዜጋ --- ወትሩ ህያዉ ኮይኑ ክነብር እዩ !!!

NationalEr Interest

16/05/2026

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ብዛዕባ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ኣቢያተ ቤተ-ክርስትያን ተዋሕዶ ኦርቶዶክስ ዝወጻ ሰለስተ ክፋላትን ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ቁዱስ ገብሪኤል ደብረ-ብስራት ካምፓላ ዩጋንዳን --- ንዘለኩም ንጹር ርኢቶ፡ ሓበሬታን ካልእን፡ ኣብ ዉሽጣዊ መስመር (Messenger) ጽሓፉልና።

ጉዳያት ግቡእ ቦትኦም ከይሓዙ ክግደፍ ኣይግባእን !!!

NationalEr Interest

16/05/2026

እዞም ናብ ኣንጎላን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ግዚያዊ ሽግራትን ጭንቀትን መንእሰያት ደቅኣንስትዮ መዝሚዝኩም፡ "ናይ ቤት-መግቢ ስራሕ ኣሎ፡ ኣብ ዱኳን ኢና ከነስርሓክን" ወዘተ ኢልኩም ኣታሊልኩም፡ ኣብ ዘይተሰማምዓሉ --- ከም ባራትን ኣብያተ ለይታዊ ትልሂትን ኣገዲድኩም ከተስርሑ ትፍትኑ ወገናት፡ ብገበን ተሓተቲ ኢኩም !!!

ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ዘይግብኦ፡ እዞም ዓይነት ሕልንኦም ዝሸጥዋ ሰባት፡ ብዙሕ እዋን ኣብ ከም ጁባ፡ ካምፓላ ዩጋንዳ፡ ናይሮቢ ኬንያን ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጲያን ብምኻድ፡ ንጽቡቃት ዝበልወን ብዕድመ ንኡሳት ግሩሃት ደቅኣንስዮ ብምርካብን፡ ንግዚያዊ ሽግራተን ብምምዝማዝን --- "ኣብ ኣንጎላ ናይ ቤት-መግቢ ስራሕ ኣሎ፡ ኣብ ዱኳን ኢክን ኮፍ ክትብላ፡ ሪሰፕሽን ኢና ደሊና!" ወዘተ ብምባልን ብምእማንን፡ ወረቃቅተን ኣሳሊጦም ናብ'ታ ሃገር የእትዉወን እሞ፡ ብድሕሪኡ "ኖ---ዘለና ስራሕ ባር እዩ፡ ለይታዊ ትልሂት እዩ፡ $3000-5000 ዶላር ከፊለ እየ ኣእትየኪ"፡ ወዘተ ብምባል፡ ኣብ ግዱድ ዕዮ ዘዋፍሩ ኣለዉ።

እዚ ድማ ኣብ ኣእዛናን ኣዒንትናን በጺሑ እዩ እሞ፡ ኲኖ ዓገብ --- ጽባሕ ብገበን ተሓተቲ ምኳንኩም ክትፈልጡ ይግባኣኩም።

ካልእ ዉን፡ ዝኮነ ሰብ (ጓል ትኩን ወዲ)፡ ናብ ዝኮነ ዓዲ ብስራሕ ቅድሚ ምኻዱ፡ ነቲ ዝድለ ዘሎ ስራሕ ብኣግባቡ ተረዲኡ፡ ክንደይ ወጻኢታት ክግበረሉ እዩ፡ ደሞዙ ክንደይ እዩ፡ ንክንደይ ወርሒ/ዓመት እዩ ክሰርሕ፡ ወዘተ ብመሰኻኽር ዝተሰነየ ንጹር ዉዕል ክገብር ይግባእ። ንኣባላት ስድራቤቱን መሓዝቱን ኣፍሊጡ ድማ ክንቀሳቀስ ኣለዎ።

ስለ'ዝኮነ፡ ዝኮነ ዘይምርድዳእ ክመጽእ እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ብሓይልን ምፍርራሕን፡ ብሕጋዊ መንገዲ ክፍታሕ ዝቀለለ ይኸዉን።

ብዝኮነ፡ ከም'ዚ ዓይነት ሽግራት ዘለክን ደቅኣንስትዮ፡ ዋላ እቲ ምፍርራሕ ይኹን ዝተሓላለኸ ዝመስል ጉዳይክን ብዘየገድስ፡ ናብ ኣብ ቀረባክን ዘሎ ማሕበረኮም ወይ ኢምባሲ ክትጠርዓ፡ ንሱ እንተ'ዘይተካኢሉ ከኣ ንዓበይቲ ዝበልክንኦም፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መምሃራን --- ወዘተ፡ ሽግራትክን ከተካፍላ ይግባእ። ዋላ ኣብ'ዚ ኣብ ዉሽጣዊ መስመር ዉን ጽሓፋልና፡ ኣብ ከባቢኽን ዘሎ ዝምልከቶ ኣካል ከነብጽሖ ኢና።

NationalEr Interest

Want your school to be the top-listed School/college in Massawa?

Click here to claim your Sponsored Listing.

Location

Address


Red Sea Cost
Massawa
00291