Eritrean Home

Eritrean Home

Share

ኤርትራ ንኤርትራውያን!

16/03/2026

መብዛሕትና ምስ ፍሹል ፈተነ ቅትለት ናይ ጥፍኣት ኰለኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ዚምባብወ ኣተሓሒዝና ንዝክሮ። ተባዕ ፣ ሕጹብ መዓንጣ ቆራጽ ፣ ዕዋላ : dynamic : ዕሉል ሰላይ እዩ ። ትውልዱ ኣብ ከባቢ ዛላምበሳ እዩ ፣ ኣብ ገለ መዛግብ ከም ሽመዛናይ ተመዝጊቡ ኣሎ ።
ኣብ ናጽነት መቐለ ተመዲቡ ፣ ኩሉ ንጸጥታውን ንግዳውን ህግደፍ ዘደላድል ተልእኾታት ተዋሂብዎ ይሰርሕ ኔሩ ።
ንወያነ ትመርሓ ኢትዮጵያ ብኹሉ መዳያታ ንምድኻም ፣ ምስ መለስ ኣብ ዝነበረ መን ኣምበርከኸ ኣረባራብ፣ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀዉሲ ክእትወሉ ብፍላይ ኣብ ሶማልያ ንኣልሸባብ ክዉድብን ክዕጥቕን ካብ ናብ ቀርንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ክሳብ ዱባይ ብ ልዕሊ 5 ፓስፓርትን ስምን እንዳተንቀሳቐሰ ብጐዪትኡ ኣቦይ ርጉም ምስጢራዊ ተልእኾ እንዳተዉሃቦን ጸብጻቡ ናብ የማነ ማንኪን ኰለኔል ተስፋልደትን እንዳቕረበን ብዘይ ግብዝና ተገዚኡ ፣ ብፍላይ ኣብ ፈለማ 2000-2010።
ኣብ መቓድሾ ባርበር ኮይኑ ይጸንሓካ ፣ ኣብ ካርቱም ነዳፋ ፣ ኣብ ዱባይ ታክሲስታ ፣ ኣብ ኬንያ ረሰፕሽን ፣ ኣብ ካምፓላ ኣውቲስታ ፣ ኣብ ሕሱርን ዘይጥርጠርን ዓይኒ ዓይኒ ዓራታ ዘይቀየረት ናይ ርካሽ መዕረፊ ኣጋይሽ ይሕዝ ። ኣብ ርእሲ ምድሪ ክፍጸም ዘይትሓስቦ ፣ ድፍረት ፣ ስድነት ፣ ፋሉልነት ዝሓወሰ ተልእኾ ይፍጽም። መጠኑ ዝሓለፈ ምልከት እቲ ከባብን ፣ ሌላ መራሕትን ኣለዎ።
ኣብ ሶማል ሕንኩሮ ጽዒና ብጸጥታ ከንያ ዝተ ታሕዘት ናይ ኤምባሲ መኪና ገለ ካብቲ ውሑድ እዩ።
ጋዜጠኛታት ሳልሕ ጋማን ተስፋልደትን ኣብ ስርሒት MISSED IN ACTION ምስ ተታሕዙ ፣ ንኢትዮጵያ ተረኪቦም ፣ ዓይኒ ዓለም ኣብ ዘላቶ ለኣኽቶም ተናዚዞም። ኤርትራ ኣብ መዝገብ ኣሸበርቲ ሰፊራ ክሳብ 2018።
ሚዛን እቲ ከባቢ ምስ ተለዋወጠ ኣድላይነቱ ናብ ዜሮ ወሪዱ ፣ Liability ወይ ሰኸም እምበር ንኢሳይያስ ዘርብሖ የብሉን ብዘይካ እቲ ሒዝዎ ክቕበር ዝተደለየ ንሱን ኢሳይያስን ዝፈልጥዎ ምስጢር ፣ ብዘይዓቢ ተልእኾ ኣብ ከተማ ዘወን ክብል ምግዳፉ ሓደጋኝነቱ ተራእዩ ኣይተደልየን ንዕኡ ዝምጥን ተልእኾ ከኣ ኣይተረኽበን ፣ ብ G -15 ሕሙም እዩ ኔሩ ይበሃል፣ ቀባጽ እዩ ዉን ነቲ ጽላሎቱ ውን ዘይኣምን ውልቀ መላኺ ስግኣት እዩ፣ በዚ ድማ እዩ ብመኽኒት ዘይምእኩል ርክብ ኣካይድካ ፣ምስ ኮለኔል ተስፋልደት ተሳፊኻ ዶ ብዝብል ሽፋን፣ ግዳይ ኮይኑ ዝተሰወረ፤ ዕማሙ ወዲኡ warned out ተባሪሩ ዝተኣስረን ከም ዝፈሓቚ ዝተገብረን እሙን ፕያንቶነ ፈጻሚ ፍሉይ ተልእኾ ኣገልጋሊ ኢሳይያስ ነበር ብ. ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም ( መቐለ )።

© fthi Tinges

15/01/2026

iSmokedWeed🤪

IShowSpeed

03/08/2024

ፍቕሪ ዝኾኑ ሓላላተይ💝😘💗💋

Photos from ባይቶ ይኣክል ሕ/መ/ኣ's post 27/07/2024

Photos from Eritrean Home's post 21/07/2024

ተረፍ ሓጎሰይ...
****
ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክሌታ ሃገርና ብህይወት ካብ ዘለው ካብቶም ዓበይቲ ሓደ ኣቦና ዘርአጋብር'ዩ። ኣብ ቤት ጭውያ ማይስርዋ ንኣርባዕተ ዓመታት ተጨውየ እንከለኹ ሓደ መዓልቲ ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ምስ ኣቦና ዘርአጋብር ከይደ ኔረ( ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ካልኣይቲ መጽሓፈይ፡ ገጻት ሓርነተይ ዘሎ ዕለታዊ መዘክር ብሰፊሑ ሰኒደዮ ኣለኹ) ። ምቑሉል ኣቦ'ዩ። ሓደ ግዜ ምርር ኢልዎ ፡ ፍትሒ ስኢኑ ነብሱ ናይ ሳርዲን ሓጺን ጌሩ ብምሕራድ ካብቲ ኣሰካሒ ህይወት ኮንቴንር ከዕርፍ ፈቲኑ'ዩ። እግዝኣቢሄር ጽናሕ እልዎ ጸኒሑ።

እዚ ፍትሒ ዝግብኦ ኣቦ ምስ ካልኦት ፍትሒ ዝግብኦም ዜጋታት ን17 ዓመታት ኣብ ሸላታትን ኮንቴነራትን ተዓሺጎም ጽሩይ ንፋስ እግዝኣቢሄር ከይስተንፈሱ " ይነብሩ" ኣለዉ።

እዚ ፍትሒ ዘይረኸበ ኣቦን እዚ ሎሚ ቢኒያም ደይብዎ ዘሎ ዓለማዊ መድረኽ ዓወት ጀማሪ ዝዀነን ዘርአጋብር ኣብቲ ኮንቴነር ኰይኑ ከመይ የስተማቕሮ ይህልው ቢለ የስተንትን ኣለኹ። ናይ መጨረሽታ ዕድለኛ እንድሕር ኰይኑ ( ብዘለዎ ናይ ጥዕናን ካልእን ዕድል እንተረኺቡ) ብረድዮ 'ዩ ዝሰምዖ ዝህልው።

እዚ ንዓወት ቢኒ ጎደናታት ኣስመራ ኣጨኒቕዎ ንርእዮ ዘለና ህዝብና ነቲ ነዚ መድረኽ ቢኒ ዝሰረተ ዘርአጋብርን ካልኦት ፍትሒ ዘድልዮምን ዝግብኦምን ዜጋታት " ፍትሒ ይውጽኣሎም" ክብል መዓስ ኰን ንጎደናታት ኣስመራ የጨንቓ ይኸውን፧ ህዝብና ግን ኣብ ዓወትካን ሓጎስካን እምበር ኣብ ጸበባኻን ወጽዓኻንሲ ኪኖ ከንፈሩ ምርምጣት ( ንሱ ውን ካብ ውሑዳት) ኣብ ጐንኻ ኣይቐውምን። ካብኡ ሓሊፉ'ውን " ገለ እንተዘይግበር ኣይምኣሰርዎን " ቢሉ ዝፈርድ ህዝቢ'ዩ።

እዞም ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ ኣመጻጽኣን ከይድን ብሽክሌታ ሃገርና ዝትንትኑ፡ ዝዝክሩ፡ ምስክርነቶም ዝህቡ ዘለዉ ብዘይካ ሽሙ ምጥቃስ ኣበይ ኣሎን ስለምንታይ ኣብቲ ዘለዎ ኣሎን ፍትሒ ከም ዝግብኦን ክዛረቡ ትብዓት ኣይረኸቡን። ሕልንኦምስ እንታይ ኰን ይብሎን ይኸውን እብል ንበይነይ።

እዞም ፍትሒ ስኢኖም ህይወቶም ተሰሪቑ ን23 ዓመታት ተጨውዮም ዘለዉ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ደቂ ሃገርና ንዓወት ቢኒ ክሳብ ፈረንሳ መጺኦም ሸፈነ ክህብዎን ኣብ ኣስመራ ምስ ተመልሰ ድማ ኣብተን ድምጺ ዕውቱን ውጹዑን ህዝብና ዝነበራ ጋዜጠታት ዓንቀጽ ድሕሪ ዓንቀጽ ክጽሕፉስ ክንደይ ኰን ዓወት ቢኒ ብፈረጃ ህዝብነትን ፍትሕነትን ትርጉምን ጽባቐን ምሃለዎ!

ኣቦና ዘርአጋብር ፍትሒ ዘለዋ ሃገር እንተትነብረና ኣብዚ ሰዓት እዚ፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ Nice ተረኺቡ ንሃገርና ወኪሉ ንቢኒ ዕምባባ ከቕብሎ ይግብኦ ኔሩ። ፍትሒ ኣይረኸብናን። ዘርአጋብር ፍትሒ ኣይረኸበን። ቢኒ ውን ካብ ዘርአጋብር ዕምባብ ኣይክቕበልን'ዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ዘርአጋብር ይትረፍ ናብ ፈረንሳ መጺኡ ዓወት ቢኒ ክጽንብል፡ ከም ማንም ዜጋ ኣብቲ ዓወት ደቂ ሃገር እምበር ጭውያ ደቂ ሃገር ዘይዝከረሉ ጐደናታት ኣስመራ ተረኺቡ ውን ዓወት ቢኒያም ኣይክጽንብሎን'ዩ። ንሱስ ኣብቲ ብለይቲ ቀዝሒ ብቐትሪ ድማ ሾልቊ ዝዀነ ዓለም ብመገዓዓዚ ንብረት እትፈልጦ ኮንቴነር ተዀርምዩ'ዩ ክጽንብሎ።

እንቋዕ ኣብቅዓካ ቢኒ። ክብሪ ይግብኣካ ቢኒ። መዋጽኦ ይፍጠረልካ ዘርአጋብር ። ፍትሒ ይግብኣካ ኣቦና ዘርአጋብር።
***
(ዘርአጋብር ካብ ጸጋም ንየማን ቁጽሪ 2 ዘሎ። እዚ ስእሊ ካብ ናይ መዋእል መሃንሾ ፈይስቡክ Mewael Mehansho ዝወሰድኩዎ'ዩ።)

© Tsegay mehari

20/07/2024

"ሓሳዊ ዘውረዮ፡ ፈረሰኛ ነይመልሶ!"

ቢኒ ዲዩ ደቂ ኤረይ?

18/07/2024

African Trump 🤣

16/07/2024

ስብሓት ኤፍሬም
ርእይቶኹም?
ናይ መዓስ ዝተመልአ ኢዩ ደቂ ኤረይ?


08/07/2024

How ladies expect boys to get in🤣

05/07/2024

ካብ 2021 ኣትሒዛ ንመንገዲ ዓወት ቢኒ ክትስንድ ዝጸንሐት ዶከመንታሪት ፍሊም ብ ቤልጅማዊ ሊቮን ኮርቱዋ ዳይሬክት ተጌራ ...... ብ ታይም ስኪፕ ዝበሃል ትካል ፈርያ ኣል ጀዚራ ዶክመንት ውን ኢዳ ዝሓወሰትላ ስራሓት ኣብ ፌስቲቫላት ናይ ፊልም ዱክ ፊስት (ሚዪኒኽ) ፡ ዱክ ፊል (ቤልጅዩም) & ሙቭቭ (ሆላንዳ) ክትሳተፍ ምድልዋታ ኣጻፊፋ ኣላ ፡

ዛንታ ናይ ቢኒ ካብ ዛንታ ናይቲ ካብ ንኡስ ስንክልንኡ ተበጊሱ ተዓዋቲ ዋንጫ ዓለም ዝኾነ ሜሲብ....... + ውን ካብ ናይቲ ካብ ድኽነትን ዝኽትምናን ከይዓንቀጾ ታሪኽ ዝሰነደ ክሪስትያኖ ...... ዘፍሊ የብሉን ።

It's My Moment
እዋነይ እዩ







It's Our Moment እባ

© Sami Haile Liverawy

04/07/2024

ሼር ጌርኩም ናብ ሳሌም ጎይትኦም ኣባጹሕለይ😂

Want your school to be the top-listed School/college in Asmara?

Click here to claim your Sponsored Listing.

Location

Website

Address


Asmara